‘መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ናብ ትግራይ ከይበጽሕ ከልኪሉ’

Radio Erena: 19 April 2023

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ናብ ትግራይ ከይበጽሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተኸልከለ፣ ዋሽንግተን ፖስት ኣቃሊሑ።

እቲ መርበብ ዜና፣ ካብ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ (ፔንታጎን) ልሒኹ ንዝወጸ ስለያዊ ሓበሬታ’ ብምውካስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ’ዩ፣ እቲ ዋና ጸሓፊ ናብ ትግራይ ከይበጽሕ ምኽልካሉ ዝጠቐሰ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ 15 ክሳብ 19 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ምስተሳተፈ፣ ናብ ትግራይ ከምርሕ ምዃኑ ተሓቢሩ ኔሩ።

ዕላማ ዑደት እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ብኵናት ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺን ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላውን ብኣካል ንምዕዛብን፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁ ብዝምልከት ምስ ክልቲኦም ወገናት ንምዝርራብን ምንባሩ ተመልኪቱ።

እንተኾነ፣ ናብ ትግራይ ናይ ምብጻሕ መደቡ፣ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ከምዝተጎናደበ ተጠቒሱ።

ኣብዚ ቅንያት፣ ካብ ኣመሪካ ልሒዅ ብዝወጸ ሓበሬታ መሰረት ድማ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኢትዮጵያ፣ ኣቶ ደመቀ መኮነን ናብቲ ዋና ጸሓፊ ብዝልኣኸኮ ደብዳቤ መሰረት፣ ናብ ትግራይ ክበጽሕ ኣይተፈቕዶን።

ኣንቶንዮ ጉተረሽ፣ ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲ ተቓውሞኡ ንምግላጽ፣ ናብ ቀዋሚ ወኪል ኢትዮጵያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት መዲቡ እኳ እንተነበረ፣ ድሒሩ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ይቕሬታ ከምዝሓተቶ እቲ ሓበሬታ የመልክት።

ካብ 2017 ኣትሒዙ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ዘሎ፣ ፖርቱጋላዊ ዲፕሎማሰኛ ነበር፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት ዘመነ ስልጣኑ፣ ካብ መንግስታት ከምዚ ዓይነት ምኽልካል ከጋጥሞ እዚ ናይ ኢትዮጵያ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ከምዝገለጸ ኣብቲ ሓበሬታ ሰፊሩ ኣሎ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0