ሱዳን፣ ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራ ኣብ መንጎ ኵናት ተቐርቂሮም፣ ሓያሎ ዜጋታት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም

Radio Erena: 20 April 2023

ኣብ ሱዳን፣ ሓሙሻይ መዓልቲ ኣቝጺሩ ኣብ ዘሎ ኵናት፣ ሓያሎ ዜጋታት ኢትዮጵያ ከምዝተቐትሉ ዝተፈላለዩ ወገናት ሓቢሮም።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳን፣ ሓያሎ ዜጋታት ሃገሩ ከምዝተቐትሉ ሓበሬታ ከምዝበጽሖ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ዶ ቼቬለ ብወገኑ፣ ብውሕዱ ሓሙሽተ ዜጋታት ኢትዮጵያ ኣብቲ ኵናት ከምዝተቐትሉ፣ ንመቕርቦምን ፈለጥቶምን ብምውካስ ኣመልኪቱ።

ኣርባዕተ ካብቶም ግዳያት፣ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ምዃኖም ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ ይጠቕስ።

ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባቢ ካርቱም ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ተቐርቒሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ኤምባሲ ኤርትራ ብዛዕባ ኩነታት ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ዜጋታት ሃገሩ ዛጊት ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።

ኣብ ሱዳን ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት፣ ኣስታት 200 ሰለማውያን ሰባት ክቕትሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 1800 ብፈኵሲን ቀሊልን ከምዝቖሰሉ ማሕበር ሓካይም እታ ሃገር ይገልጽ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0