መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 14 ጋዜጠኛታትን ማሕበረ ሰብ ሜድያን ኣሲሩ

Radio Erena: 05 June 2021

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ልዕሊ 14 ጋዜጠኛታትን ማሕበረ ሰብ ሜድያን ከምዝኣሰረ ኣብ ኒዮርክ ዝመደበሩ ኮሚተ ምጥባቕ ጋዜጠኛታት ገሊጹ።

እቲ ንናጽነት ፕረስ ዝጣበቕ ኣህጉራዊ ትካል፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብፍላይ 12 ንዝኾኑ ኣባላት ኣውሎ ሜድያ፣ ብ30 ሰነ ብእኩብ ከምዝኣሰርዎም ኣፍሊጡ።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ብዘይካ’ዚ፣ ብውሕዱ 2 ኣባላት ሜድያ ኢትዮፎሮም ከምዝኣሰሩ CPJ ብተወሳኺ ኣረጋጊጹ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኩነታት፣ ካብቲ መንግስቲ ዘቃልሖ ዘሎ ዜናን ሓበሬታን ዝተፈልየ ኣቐራርባን ትሕዝቶን ንዘለወን ሜድያታትን ነጠፍተኛታትን ግዳያት ምፍርራሕን ማእሰርቲን ይገብር ከምዘሎ’ዩ ዝውቐስ።

ኣብ ትግራይን ካልእ ሓያሎ ክልላትን፣ ኣገልግሎታት ኢንተርነት ዓጽዩ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ናጽነት ፕረስን መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ብምግሃስ ኣብ ኣፍሪቃ ምስ ኤርትራ ምስ ዝመራሒተን ቀዳማት ሃገራት’ዩ ዝስራዕ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0