ሃዲሞም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ 10ታት ነበርቲ ዓዲግራት፣ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተፋንዮም

Radio Erena: 05 June 2021

ሓይልታት ትግራይ፣ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ኤርትራን ኢትይጵያን ንዝነበረ ከባቢታት ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን፣ ናብ ኤርትራ ዝሃደሙ 10ታት ነበርቲ ዓዲ ግራት፣ ካብ ኣስመራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተፋነዉ፣ ምንጭታት ኤረና ሓቢሮም።

እቶም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ነበርቲ ዓዲ ግራት መንነቶም ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ኣባላት ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ሰልፊ ብልጽግና ብምዃን ኣብ ትግራይ ከገልግሉ ዝጸንሑ ምዃኖም ይግመት።

ሓይልታት ትግራይ ሓያሎ ከባቢታት ኣብ ዝተቖጻጸርሉ እዋን፣ ኣባልት ሰልፊ ብልጽግና ኮይኖም ከገልግሉ ንዝጸንሑ ተወላዶ ትግራይ ከምዝቐተሉ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ወቐሳ ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ትግራይ ዝሰሓቡ ሰራዊት መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባቢ ዶባት፣ ብሓባር ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ብፍላይ ብሸነኽ ዛላምበሳ ዝሰሓቡ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ኣብ ከባቢ ዛላምበሳ ዓስኪሮም ከምዘለዉ ክግለጽ እንከሎ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ድፍዓት ኣብ ምኹዓት ተጸሚዱ ከምዝርከብ እቶም ነዚ ሓበሬታ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣመልኪቶም።

ስእሊ፣- ዓዲ ግራት ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት
==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0