መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ንኣፈኛ ፓርላማን ምክትላን ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ዝዋግአን ክልተ መጋየጺ መካይን ክዕድግ ምውሳኑ ኣብ ህዝቢ ቁጠዐ ፈጢሩ

Radio Erena: 08 June 2022

መንግስቲ ኡጋንዳ፣ ንኣፈኛ ፓርላማ፣ ኣሚና ኣነት ኣሞንግን ምክትላ ቶማስ ታይቦዋን፣ ልዕሊ 500 ሽሕ ፓውንድ ዝዋግአን ክልተ ዘመናውያን መጋየጺ መካይን ክዕድግ ምውሳኑ፣ ኣብ ህዝቢ ቁጠዐ ከምዝፈጠረ፣ መርበብ ዜና ደይሊ ሞኒተር ካብ ካምፓላ ሓቢሩ።

እተን ‘መርሰድስ’ ዝዓይነተን መካይን ንክዕደጋ ብባይቶ እታ ሃገር ጸዲቑ፣ ባጀት ተሰሊዑለን ምህላዉ እቲ መርበብ ዜና፣ ንዘዘራረቦም ኣባላት ፓርላማ ብምጥቃስ ኣቃሊሑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ፓርላማ ኡጋንዳ፣ ን529 ኣባላቱ ናይ ደሞዝን ኣበልን ወሰኽ ክገብር ምውሳኑ ደይሊ ሞኒተር ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ኡጋንዳ፣ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ኣብ መንጎ ሩስያን ዩክሬይንን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዝፈጠሮ ቅልውላው መግብታትን ተደማሚሩ፣ ህዝባ ከቢድ መነባብሮ የሕልፍ ምህላዉ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ዝጠቕሳ።

እንተኾነ፣ ሰበ ስልጣን መንግስትን ኣባላት ፓርላማን፣ ገንዘብ ህዝብን ሃብቲ ሃገርን ብብልሽውና ይዘርዉ ምህላዎም ይወቕሳ።

ስልጣን ካብ ኣቡኡ ክርከብ ትጽቢት ዝግበረሉ፣ ወዱ ንፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቬኒ፣ ጀነራል ካይነርጉባ፣ ዝሓለፈ ቅንያት፣ መበል 48 ዓመት ልደቱ ንምጽንባል፣ ንኣስታት ሓደ ሰሙን ኣብ ዝቐጸለ ፈንጠዝያ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ዶላር ከምዘባኸነ ይንገር።
======================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0