ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንበት 5 ሰነ መጠናዊ ምንቅጥቃጥ መሬት ከምዘጋጠመ ትካላት መጽናዕቲ ስነ-መሬት ገሊጸን

Radio Erena: 08 June 2022

ኣብ ኤርትራ፣ ብሰንበት 05 ሰነ፣ 4.6 ማግኒቱዩድ ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ከምዘጋጠመ ሓያሎ ትካላት መጽናዕቲ ስነ-መሬት ኣረጋጊጸን።

እቲ ካብ ኣስመራ ኣስታት 75 ኪሎሜተር ንደቡባዊ ምብራቕ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ዘጋጠመ መጠናዊ ምንቅጥቃጥ መሬት፣ ብንኡስ ዓቐን፣ ኣብ ከባቢ ባጽዕ፣ ሰንዓፈን ደቀምሓረን ተሰሚዑ ክኸውን ከምዝኽእል ማእከል መጽናዕቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኤውሮጳን ማእከላይ ባሕሪን ኣመልኪቱ።

ስፋሓት እቲ ምንቅጥቃጥ ዘጋጠመሉ ከባቢታት፣ ካብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ናይ ኤርትራ ክሳብ ከባቢ ዓዲ ግራት ክሽፍን ከምዝኽእል ኣብ ጀርመን ዝመደበሩ ትካል ምርምር ስነ መሬት (GFZ) ገሊጹ።

ደቡባዊ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ፣ ብፍላይ ከባቢታት ደንከል ብመጠናዊ ምንቅጥቃጥ መሬትን ዝሕቱል እሳተ ጎመራን ዝተፈልጠ ዞባ’ዩ።

ብዛዕባ’ዚ ብሰንበት ኣብ ኤርትራ ከምዘጋጠመ፣ ብትካላት መጽናዕቲ ስነ መሬት ዝተግልጸ ምንቅጥቃጥ፣ ብወገን ኤርትራ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0