መንግስቲ ሶማል፣ ንሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድ ኣሲሩ

Radio Erena: 03 September 2019

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ንሚኒስተር ሃገራዊ ድሕነት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ፣ ዓብደልራሺድ ሓሰን ዓብዲኑር ከምዝኣሰሮ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር ናይታ ርእሰ ምምሕዳር፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ከተማ ሞቛድሾ፣ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ብሰንበት 1 መስከረም፣ ኣብ ማዕረፎ ነፈርቲ ከምዝተታሕዘ ፖሊስ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ።

ይኹን’ምበር፣ መግለጺ ፖሊስ፣ እቲ ሚኒስተር ብከቢድ ገበን ክድለ ምጽንሑ ካብ ምጥቃስ ሓሊፉ፣ ዝርዝር ምኽንያት መእሰሪኡ ኣይሃበን።

ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ እታ ካብ 2013 ኣትሒዛ ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስቲ መስሪታ ዘላ ጁባላንድ፣ ዝሓለፈ ወርሒ ዘካየደቶ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሕጋዊ ከምዘይኮነ ክኹንኖ ጸኒሑ’ዩ።

ሓንቲ ካብ ዞባታት ሶማል ዝኾነት ጁባላንድ፣ “መኾብለሊ ገበነኛታት ትኸውን ኣላ” ክብል ፈደራላዊ መንግስቲ ይወቅስ።

ምእሳር ናይዚ ሚኒስተር ድማ ኣብ መንጎ እታ ተፈንጪላ ዘላ ርእሰ ምምሕዳር ጁባላንድን ማእከላይ መንግስቲን ዝጸንሐ ምፍሕፋሕ ብዝበኣሰ ኣጋዲድዎ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0