መንግስቲ ሱዳን ምስ ምምሕዳር ዋሽንግተን ዝተበትከ ዝምድንኡ ንምብርባር ይጽዕር

መንግስቲ ሱዳን ምስ ምምሕዳር ዋሽንግተን ዝተበትከ ዝምድንኡ ንምብርባር ይጽዕር

Radio Erena: 05 February 2015

Ali karti

መንግስቲ ሱዳን ምስ ምምሕዳር ዋሽንግተን ዝተበትከ ዝምድና ንምብርባር ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ መንግስቲ ኣቐዲሙ ብመንገዲ ኣሳለጥቲ ምስ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ንምዝርራብ ናይ ‘ሎቢ’ ንጥፈታት ጀሚሩ ከምዝጸንሐ ዝሓበሩ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ሕጂ ድማ ከም መቐጸልታ ናቱ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዓሊ ኻርቲ ዝምራሕ ጉጅለ ናብ ዋሽንግተን ኣምሪሑ ምህላዉ ይግለጽ ኣሎ።

 

ምስ ኣመሪካ ዘተ ክካየድ ኣለዎ ዝብል ተሪር መርገጺ ዝጸንሖ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዓሊ ኻርቲ፣ ኣብቲ ናይ ዋሽንግተን ዑደቱ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታትን ሰበ ስልጣንን ኣመሪካ ክዘራረብ ትጽቢት ኣሎ።

ጎኒ ጎኒ’ዚ ናይ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ዑደት፣ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢብራሂም ጋንዶር ዝምራሕ ካልእ ጉጅለ’ውን ኣብ ኣመሪካ ተመሳሳሊ ዑደት ከካይድ ምዃኑ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሱ።

ምምሕዳር ዋሽንግተን፣ ንሱዳን ምስተን ንሽበራ ዝሕብሕባ ሃገራት ድሕሪ ምቕማጡ፣ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ጽኑዕ እገዳ ኣንቢሩ ምህላዉ ይፍለጥ።

ብሰንኪ’ዚ ናይ ኣመሪካ እገዳ፣ ሱዳን ከቢድ ቁተባዊ፣ ፖለቲካውያን ዲፕሎማስያውን ክሰራታት ክወርዳ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ እገዳ’ዚ ንኽልዓል፣ መንግስቲ ሱዳን ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ንጡፍ ዲፕሎማስያዊ ምንቕስቓስ ከካይድ ክረኣ እኳ እንተጸንሐ፣ ምምሕዳር ዋሽንግተን ግና ዘዕግብ እወታዊ ምላሽ ኣይሀበትሉን።

እንተኾነ እቲ ምምሕዳር፣ ምስ ሱዳን ዝዝርብ ክቕጽል ኣብ ዝብል ነጥቢ እምነት ከምዘለዎ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ዶናልድ ቡት (Donald Booth) ኣብ ወርሒ ጥቕምቲ ናይ 2014 ምግላጹ ይዝከር።

ኣመሪካ ብዘይካ’ዚ ስርዓት ኣልበሽር ንሽበራውያን ይሕብሕብ’ዩ ዝብል ክሲ፣ ብጉዳይ ደቡብ ሱዳንን ዳርፉርን’ውን ብቀጻሊ’ያ ጸቕጢ ክትገብረላ ትርአ።

==============================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0