ኣመሪካ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ደብዳብ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣልሸባብ ተቐቲሉ

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ደብዳብ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣልሸባብ ተቐቲሉ

Radio Erena: 05 February 2015

dro

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ዘካየደቶ ደብዳብ ሓደ ካብ መራሕቲ ኣልሸባብ ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ።

ኣብቲ ዲንሶር ኣብ ዝተባህለ ደቡባዊ ሶማል ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝተኻየደ፣ 45 ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተቐትሉ ክግለጽ እኳ እንተጸንሐ፣ ወትሃደራዊ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ግና ዮሱፍ ደሒቕ ዝተባህለ ሓላፊ ናይ ወጻኢ ስርሒታት ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጹ።

 

ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ዝነበረ ዮሱፍ ዳሒቕ ምስ ሓያሎ ካልኦት ብጾቱ ብመኪና እናተጓዕዘ እንከሎ ብዝተኻየደሉ ናይ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተቐትለ ዘረጋገጸ መግለጺ እቲ በዓል ስልጣን፣ መንነት ናይቶም ካልኦት ምስኡ ዝነበሩ ግና ኣይሓበረን።

ኣመሪካ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ንመራሕቲ ኣልሸባብ ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕታት ዛጊት፣ መራሕቲ እቲ ምስ ኣልቃዒዳ ዝሓበረ ጉጅለ ኣሕመድ ጎዳነ ዝርከበዎም ሓሙሽተ ሓለፍቲ ቀቲላ ኣላ።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0