ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻን ሓሬናን ካብ ዝገምገሞ ንላዕሊ ዕቑር ማዕድናት ከምዘሎ ተገሊጹ

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን፣ ኣብ ቢሻን ሓሬናን ካብ ዝገምገሞ ንላዕሊ ዕቑር ማዕድናት ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 05 February 2015

Nev

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ኣብ ኣብ ቢሻን ሓሬናን ናይ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ዕቑር ጸጋታት ካብ ዝተገምገሞ ንላዕሊ ክዛይድ ከምዝኽእል ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ካናዳ ዝመደበሩ ኩባንያ፣ ኣብቲ ከባቢታት ኣቐዲሙ ዝገበሮ ዳህሳስ ዳግም ኣብ ዝገምገመሉ እዋን’ዩዩ ዕቑር ጸጋታት ወርቂ፣ ነሓስ፣ ዚንጎን ብሩርን ካብቲ ቀዳማይ ገምጋሙ ክዛይድ ከምዝኽእል ዝጠቕስ ዘሎ።

ብመሰረት እቲ ሓድሽ ቀሪቡ ዘሎ ገምጋም ናይቲ ኣብ ከባቢ ቢሻን ሓሬናን ናይ ዘሎ ገምጋም ብዝሒ ዕቑር ጸጋታት፣ ኣስታት 213 ኩንታል ወርቂ፣ 11907 ኩንታል ብሩር፣ 1.2 ቢልዮን ፓውንድ ነሓስን 3.4 ቢልዮን ፓውንድ ዚንጎን’ዩ።

 

ኩባንያ ዕደና ኔቭሰን ኣብ ዘቕርበኦ ሓድሽ ገምጋም፣ ብፍላይ ኣብ ሓሬና ካብቲ ኣቐዲሙ ዝገበሮ ገምጋም ኣዝዩ ዝዓበየ ወሰኸ ክህሉ ከምዝኽእል’ዩ ዝእምት።

ኣብ ቢሻ’ውን ክንዲ ናይ ሓሬና ኣይኹን’ምበር ዘተባብዕ ወሰኽ ዕቁር ጸጋታት ምህላዉ ጸብጻብ ናይቲ ኩባንያ ይጠቕስ።

ኩባንያ ኔቭሰን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዕደና ወሰክ ዕቑር ጸጋታት ምህላዉ ምግላጹ ቁጽሪ ዓደግቲ ብርኪ ንምውሳኽ ክሕግዞ ከምዝኽእል’ውን ክኢላታት ዕዳጋ የመልክቱ።

ኔቭሰን ሓደ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ዕዉት ዕደናዊ ንጥፈታት ዘካይዱ ዘለዉ’ዩ እናተባህለ ይግለጽ እኳ እንተኾነ፣ እቲ ኩባንያ ብትካላት ህንጻ ህግደፍ ተመዲቦም ንዝመጽዎ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ስራሕ ምውፋሩ ብናጻ ምዝመዛ ጉልበትን ምግሃስ መሰል ሰራሕተኛታትን ዝተኣሳሰር ክሲታት ይመጾ’ዩ።

======================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0