መንገዲ ኣየር የመን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ባጀት ብቑዕ ጽገና ነፈርቲ ንምክያድ ተጸጊሙ ከምዘሎ ተገሊጹ

መንገዲ ኣየር የመን፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ባጀት ብቑዕ ጽገና ነፈርቲ ንምክያድ ተጸጊሙ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: May 6, 2014

yemenia

መንገዲ ኣየር የመን፣ ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ እታ ሃገር እኹል ባጀት ክረክብ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣብ ምጽጋን ነፈርትን ምሽማት ነዳድን ከቢድ ብድሆ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ተቓሊዑ።

እዚ ዝተቃልዐ፣ ካብ ሰንዓ ተበጊሳ ናብ ኣስመራ እትዓልብ ዝነበረት ኤየርባስ ኤ.330 (Airbus A330) ዝዓይነታ፣ ነፋሪት፣ መቖጻጸሪ ናህሪ ብግቡእ ክሰርሕ ብዘይምኽኣሉ፣ ካብ መሐንበቢኣ መስመር ወጺኣ ድሕሪ ምንሽርታታ ምዃኑ ጋዜጣ የመኒ ናሽናል ኣፍሊጣ።

እታ ነፋሪት፣ ምሉእ ጽገና ተጌሩላ ናብ የመን ክሳብ እትምለስ፣ ንሳልስቲ ዝኣክል መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ካልኦት ነፈርቲ ከእንግድ ከምዘይክኣለ’ውን እታ ጋዜጣ ብዝርዝር ኣስፊራ ኣላ።

 

ሓደ ካብቶም ውሕስነቱ ብዙሕ ዘየተኣማምን እናተባህለ ዝግለጽ መንገዲ ኣየር የመን፣ ነፈርቲ ንምዕዳግን ንምጽጋንን ካብ ኩባንያ ኤርባስ ዝተለቕሑ 10ታት ሚልዮናት ዶላር ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ካብቲ ዘለዎ ዕዳ እቲ 6 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ናይ 2014 ከምዝመለሰ’ዩ ዝሕብር።

ዋንነቱ ናይ መግስቲ የመን ዝኾነ መንገዲ ኣየር የመን፣ ብዋሕዲ ባጀት ካብ ዝሳቐዩ መንገዲ ኣየር ኮይኑ፣ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ፍቓድ ናይ በርራ ንምርካብ ነፈርቱ ብልቓሕ ከሐድስን ክጽግንን ከምዝተገደደ’ውን ይግለጽ።

መንገዲ ኣየር የመን፣ ኣብ ሰሙን ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ግዜ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ከምዘካይድ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብሰንኪ ቴኪኒካዊ ጸገም ኣብ ኣስመራ ኣይ ነፈርቲ ሓደጋ ከጋጥሞ እዚ ንኻልኣይ ግዜኡ’ዩ።
===================================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0