መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣  ካብ ግብጺ ካልኣይቲ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪትብ ኽራይ ንምምጻእ ጻዕርታት የካይድ

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካብ ግብጺ ካልኣይቲ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪትብ ኽራይ ንምምጻእ ጻዕርታት የካይድ

Radio Erena: 17 August 2017

Airlines ER

ዋንነቱ ናይ መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ካልኣይቲ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ካብ ግብጺ ብኽራይ ንምምጻእ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ዝነበረቶ ቦይንግ (B767-200) ዝዓይነታ እንኮ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ካብ ወርሒ መጋቢት 2017 ኣትሒዛ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ደው ከምዝበለት ይዝከር።

እቲ መንገዲ ኣየር ነታ ደው ዝበለት ነፋሪት ንምትካእ፣ ቦይንግ (B737-500) ዝዓይነታ ነፋሪት፣ ካብ መንገዲ ኣየር ኣሌክሳንድርያ ናይ ግብጺ ብኽራይ ከምዘምጽአ ኣብቲ እዋን’ቲ ብሬድዮ ኤረና ምቕልሑ ኣይርሳዕን።

መንገዲ ኣየር ኣሌክሳንድርያ ናይ ግብጺ ነታ ነፋሪት ኣቐዲሙ ካብ መንገዲ ኣየር ጆርዳን ብኽራይ ዘምጽኣ ምዃና መርበብ ሓበሬታ ኣቭየሽን የረጋግጽ።

ኣህጉራዊ ናይ መጓዓዝያ በረራታቱ ናብ ካይሮ፣ ዱባይ፣ ሪያድ፣ ጀዳን ካርቱም ጥራይ ተሓጺሩ ዝርከብ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት’ውን ካብ ዩክሬይን ቦይንግ (B737-300) ዝዓይነ ነፋሪት ብተመሳሳሊ ውዕል ኣምጺኡ’ዩ።

ብሰንኪ ተደጋጋሚ ቴክኒካዊ ጸገማት፣ ሓያሎ ናይ መጓዓዝያ በረራታት ዝሰረዘ መንገዲ ኣየር ኤርትራ፣ ነዚ ዘጋጥሞ ዘሎ ምስንኻላት ንምስትኽኻል ድማ’ዩ ተወሳኺተ ናይ መጓዓዝያ ነፋሪት ካብ ግብጺ ንምምጻእ ጻዕርታት ዘካየድ ዘሎ።

እቲ መንግስቲ፣ ካብ ቻይና ብዘምጽአን ንኣሽቱ ነፈርቲ ናብ ዓሰብ፣ ሳዋን ባጽዕን ውሽጣዊ ኣገልግሎታት ይህብ ከምዘሎ’ ይሕበር።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0