መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ብ16 ሓምለ 2017 ኣብ ኣስመራ፣ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ዝተፈጸመ ዕርቂ “ድራማ’ዩ” ክብል ኮኒኑ

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፣ ብ16 ሓምለ 2017 ኣብ ኣስመራ፣ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም ዝተፈጸመ ዕርቂ “ድራማ’ዩ” ክብል ኮኒኑ

Radio Erena: 19 July 2017

Abune

ብ16 ሓምለ 2017 ኣብ ቤተ ክርስቲያን ርእሰ ኣድባራት ቅድስት ማርያም፥ ዝተገብረ ዕርቂ ዝተሰምየ፥ ንልቢ ኩሉ ኣማኒ ዘሰምበረ፥ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስቲያን ዳግማይ ጸሊም ታሪኽ ዘመዝገበ ፍጻሜ’ዩ ክብል መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ገሊጹ።

ኣህጉረ ስብከታት ብ18 ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ድማ ድሕሪ ናይ 11 ዓመትን ፈረቓን ካብ ጸልማት ማእሰርቲ ወጺኦም፥ ብሕይወት ገጽ ህዝቦም ምርኣዮም ጽሩይ ንፋስ ብምርካቦምን ብሕይወት ኣብ ቅድሚ ደቆም ምርኣዮምን ንኣምላኽ እኳ እንተመስገነ፣ እቲ ናይ ሰንበት 16 ሓምለ ፍጻሜ ዕርቂ ዘይኮነ ድራማ እዩ ተፈጺሙ ክብል ገሊጽዎ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ኣብ ዘግለጺ ብተወሳኺ፣ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እናሃለዉ፥ ጸሎተ ቅዳሴን ፍትሓትን፥ ብሓደ ጳጳስ ምክያዱ፥ ምሉእ ብምሉእ ነቲ፥ “ፓትርያርክ እንከሎ ጳጳስ ኣይባርኽን” ዝብል ቀኖናዊ ሕጊ ዝረገጸ ክብሪ ቤተ ክርስቲያንና ዝጠሓሰ ዘይመንፈሳዊ ተግባር ምዃኑ ኮኒኑ።

ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ፥ ኣብ እዋን ቅዳሴ፥ እቲ ስልጣን ሃገርን መዓርግ ፓትርያርክን ዝኾነ፥ መዓርግ ልብሶም ከይለበሱ፥ ከም ሓደ ተራ ጳጳስ፥ ካብ መንበሮም ወጻኢ ኮፍ ምባሎምን፥ ሥልጣን ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ዝደፈረ ብምንባሩ’ውን ወጊዙ።

ቅዱስ ፓትርያክ፣ ኣብቲ ዕርቂ ተባሂሉ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት፣ ሓንቲ ቃል ከየውጽኡን ዕድል መንፈሳዊ መሰሎም ተነፊጉዎም ንሕዝቦም ሰላም’ውን ከይበሉን ምስንባቶም’ውን ከምዘሕዘኖ እቲ ኣህጉረ ስብከታት ጠቒሱ።

ብተወሳኪ፣ ኣብ ሓምለ 2017 ዕርቂ ተፈጺሙ ፍትሓት ድማ ኣብ ጥሪ 2017 ተገይሩ ውግዘትና ኣውሪዶምልና ተባሂሉ ብኻልኦት ሰባት ዝተነበበ፥ ካብ ሥርዓት ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ምዃኑ ብምምልካት፣ ፓትርያርክ ምስ ምሉእ ኣካሎምን ኣእምሮኦምን ብኣካል እናሃለዉ ክንድዚ ዝኣክል ዓቢይ ጉዳይ ቤተ ክርስቲያን ብኻልእ ሰብ ቃል ፓትርያርክ ክንበብ ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ከምዘይፈቅድን፣ ውግዘት ዝለዓል ድማ ብዘይስርየት ቃል ፓትርያርክ ጥራይ ምዃኑ ክፍለጥ ከምዝግባእ ኣስሚርሉ።

ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ዘይፈቅድ ክነሱ፥ ከሰስትን ፈረድትን፥ ብምዃን፥ ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝወረደ፥ ኣደራዕን ጸለመን ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ዝጻረር ብምዃኑ ድሕሪ ምኹናን፣ ድሕሪ እቲ ናይ ቤተክርስትያን ስነስርዓት ብጹእ ዎ ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ናብ መንበሮም ዘይኮነስ ናብታ ንዓሰርተ ሓደ ዓመታት ዝተኣሰሩላ ማሕዩር ከምዝተመልሱ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት፥ ሰሜን ኣሜሪካ፥ ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ልዕሊ ወዲ 90 ዓመት ዝዕድሜኦም ፓትርያርክ ቅዱስ እንጦንዮስ ዝግበር ዘሎ ሓያል ናይ ስነ ኣእምሮ ጸቕጢ ኣብ ሕይወት እቶም ኣቦ ሳዕቤን ስለዘለዎ ብዘይ ዝኾነ ኣማኻርን ተዓዛብን ብነጻ ክዛረቡን ዘይምኽኣሎም፥ ናይ ዕርቂ ነገር ዘለዎ ዘይብሉ ዘሕፍር ድራማ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ተፈጺሙ ኣሎ ክብል’ውን ደምዲሙ።

መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ኣብ መወዳእታ፥ ፍጹም ዕርቅን ሓድነትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ክወርድ፥ ሕጂውን ከም ኩሉ ጊዜ ልዑል ህርፋንናን ጸሎትናን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ሓቀኛን ቅኑዕን ዕርቂ ክመጽእን ሓድነት ቤተ ክርስቲያንና ክረጋገጽን፥ ቅዱስ ፓትርያርክ፥ ናጻ ኮይኖም፥ ተዓዛቢ ኣካል ካብ ኣሓት ኦሬንታል ቤተክርስቲያን ኣብ ዘለዎ፥ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ስልጣን ፓትርያርኮም ተመሊሶም፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ተጽዕኖ ናጻ ኮይኖም ቡራኬ ክህቡን ብምሉእ ስልጣኖም ኣብ መንበረ ክብሮም ክምለሱን ጸዊዑ።

ካብዚ ወጻኢ: ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ጥሒሱ ንዝመጽእ ነገር ግን ዘይንቕበል ምዃንና ብምግንዛብ ምእመናን ነዚ ሽርሕን ጉርሕን ተረዲኦም ብጽሎትን ብግብርን ስለቤተክርስቲያን ደው ክብሉ ሕጂውን ኣዘኻኺሩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0