ሱዳን ኣደስኪላቶ ዝጸንሐት ዘተ ምስ ኣመሪካ ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ

ሱዳን ኣደስኪላቶ ዝጸንሐት ዘተ ምስ ኣመሪካ ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ

Radio Erena: 21 July 2017

beshir

መንግስቲ ሱዳን፣ ኣደስኪልዎ ዝጸንሐ፣ ብዛዕባ ምልዓል እገዳ ብዝምልከት ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዝካየድ ናይ ዘተ መደባት ክቕጽሎ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ዘፍልጥ ዘሎ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ብሮቡዕ 19 ሓምለ ምስ ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብ ድሕሪ ምዝርራቡ’ዩ።

ኣብቲ ክልቲኦም መራሕቲ ዘካየድዎ ዘተ፣ ብዘይካ’ቲ ብጉዳይ ቀጠር ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ፣ ኣመሪካ እገዳ ሱዳን ንኽልዓል ስዑዲ ዓረብ ዲፕሎማስያዊ ሓገዛ ከተበርክት ፕረዚደንት ኣልበሽር ብወግዒ ድሕሪ ምሕታቱ’ዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ዝተነብረ እገዳ ዝልዓለሉ እዋን ንዘይተፈልጠ ግዜ ክናዋሕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ምውሳኑ፣ ፕረዚደንት ኣልበሽር’ውን ከም ግብረ መልሲ ናይዚ ምስ ኣመሪካ ክካየድ ዝተወጠነ ዘተ ከምዝሰረዞ ይዝከር።

 ካብ 1997 ኣትሒዙ ብኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣልበሽር ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል ተወሳኺ ግዜን መጽናዕትን ከምዘድሊ ብምጥቃስ’ዩ ምምሕዳር ትራምፕ እቲ እገዳ ንዘይተወሰነ ከምዘለዎ ክጸንሕ ዝወሰነ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0