መበል 32 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፣ ብጂቡቲን ሶማልያን ዝቐረበ እማመ ተቐቢሉ

መበል 32 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕ/ሃ፣ ብጂቡቲን ሶማልያን ዝቐረበ እማመ ተቐቢሉ

Radio Erena: 03 July 2016

HRC

ኣብቲ ብ1 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሩሲያ፣ ኩባ፣ ቻይና፣ቦሊቪያ፣ ኤኳዶር ካብቲ ዝቐረበ እማመ ከምዝተዓቀባ ከፍልጣ እንከለዋ፣ ውሳኔ ንምውሳድ ድምጺ ክካየድ ኣብ ዝተሓተተሉ፣ ኣንጻርት’ቲ እማመ ደው ዝበለት ሃገር ብዘይምህላዋ፣ እቲ ባይቶ ከምዘለዎ ተቐቢሉዎ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብቲ ባይቶ ውሳኔ ዘሕለፈሉ እዋን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ዝተወስደ ውሳኔ፣ ኣመሪካን ገለ ሃገራት ኤውሮጳን ዝሃንደስኦ፣ ንዓመታት ክሰርሓሉ ዝጸንሓ እዩ ድሕሪ ምባል፣ ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይትቕበሎ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ዝያዳ ኣተኩሮ ረኺቡ ዘሎ ተሓታትነት ዝብል ጉዳይ ኮይኑ፣ ነዚ ኣብ ኤርትራ ዝተፈጸመ ንስቅያት፣ መግረፍቲ፣ ዓመጽ፣ ቅትለት ናይ ኣማኢት ኣሽሓት ባርነት ዘጠቓለለ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት፣ ብቐጥታ ዝሕተቱሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ዝምርምር ግቡእ መስርሕ ክካየድ ይጠልብ።

 

እታ ነዚ ጸብጻብ ከተቕርብ ዝተመዘት ኮሚሽን ከኣ ዕድመ መዝነታ ብሓደ ዓመት ተናዊሑ፣ ኣብ እተካዪዶ ዕማማት ምምሕያሻት ተገይሩ ስርሓ ብሓድሽ ዕማም ክትጅምር እማመ ቀሪቡ’ሎ።

መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ብሃገራት ኣፍሪቃ ዝቐረበ እማመ ተቐባልነት ከይረክብ ሰፊሕ ናይ ዲፕሎማሲ ዘመተ ከካይድን፣ ባዕሉ ዘዳለዎ ካልእ እማመ ተቐባልነት ክረክብን ክገብሮ ዝጸንሐ ርክባት ምስ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘይፍረ ኣብ ዝበርዓነሉ፣ ነቲ ብዘይድምጺ ምሃብ ሓሊፉ ዘሎ ውሳኔ ክቕበሎ ከምዘይኮነ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ድሕሪ’ቲ ውሳኔ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ኤርትራ ኣብ ፖለቲካ፣ ቁጠባ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን ጉዳያት ኣገዳሲ ምዕባለ ኣብ እተርእየሉ ዘላ እዋን ጥራይ ዘይኮነ፣ ምስ ኣህጉራዊን ዞባዊን ጉዳያት ኣብ ሃናጺ ጽምዶ እንከላ እዚ ውሳኒ ይሓልፍ ምህላዉ፣ ንምዕንቃፋ ዝተማህዘ ውዲት’ዩ፣ ክብል ኣብ ባይታ ምስ ዘሎ ሓቂ ዘይቀራረብ መግለጺ ሂቡ።

ብመሰረት’ዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ብደቂቕ ዝከታተልን ንተሓተትቲ ሰበስልጣን ዝምርምርን መስርሕ ክጅምር ጸዊዑ’ሎ።

ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ፣ እዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ፣ ነዚ ንምምሕያሽ መንግስቲ ኤርትራ ጻዕርታት ዘካይድ እንተኾይኑ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ደገፍ ከምዘይንፈጎ፣ እንተኾነ ንፍሉይ ልኡኽ ናብ ኤርትራ ክበጽሕን መርመርኡ ከካይድ ክፈቅድን ጸዊዑ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0