“ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ዝተባሃለ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምርመር ምውሳኑ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘለዎ ስልጣን ዝፍትን’ዩ፣” ዲፕሎማሰኛታት

“ኣብ ኤርትራ ይፍጸም ኣሎ ዝተባሃለ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምርመር ምውሳኑ ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ዘለዎ ስልጣን ዝፍትን’ዩ፣” ዲፕሎማሰኛታት

Radio Erena: 04 July 2016

AU

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም ክምርምር ብባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ምርቁሑ፣ እቲ ሕብረት ኣብ ዞባዊ ጉዳያቱ ብዕቱብ ክሰርሕ ስልጣን ዝህብ’ዩ ክብሉ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረዲኦም።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ጉዳዩ በቲ ንዓመታት ከነኣእሶን ክንዕቖን ዝጸንሐ ሕብረት ኣፍሪቃ ክምርመር ብሕቡራት ሃገራት ምውሳኑ፣ ከቢድ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ከምዝሸሞ እቶም ሬድዮ ኤረና ዝተወከሰቶም ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎም ዝሕብር ጸብጻብ መርማሪት ኣብ ጀኔቫ ኮሚሽን ድሕሪ ምቕራቡ፣ እታ ኮምሽን እቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክሰጋገር ዝብል እማመ ከምዘቕረበት ዝፍለጥ’ዩ።

 

ይኹን’ምበር፣ መበል 32 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ቅድሚ ናብ ባይቶ ጸጥታ ምስጋሩ፣ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምርመር ንዝብል እማመ’ዩ ኣጽዲቑ።

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ንኽገበረላ ንመጀመርያ እዋኑ ዝደገፈ ኣብ ናይ ኤርትራ ጉዳይ ምዃኑ ኣይርሳዕን።

ባይቶ ጸጥታ ኣብ 2009 ከምኡ ድማ ኣብ 2011 ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘንበሮ እገዳ፣ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ምሉእ ደገፍ’ዩ ረኺቡ።

ጉዳይ ክሲ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምርመር ሕቡራት ሃገራት ምውሳኑ ኢትዮጵያ፣ ሶማልያ፣ ጅቡቲን ኡጋንዳን ኣቐዲሙ ኣብ ልዕሊ’ቲ መንግስቲ ዝጸንሐን ጽልኢ ከየንጸባርቓ’ውን ናይ ሓያሎ ወገናት ስግኣት ምህላዉ ይግለጽ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቐዲሙ፣ ንጉዳይ እቲ ብተመሳሳሊ ገበን ዝተኸሰሰ ፕረዚደንት ቻድ ነበር ሒሰን ሃብረ ሓላፍነት ብምውሳድ፣ ኣብታ ዑቕባ ሓቲቱላ ዝነበረ ሃገረ- ሰኔጋል ዝርከብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ከምዘገደዶን፣ ብዝፈጸመ ገበናት ከኣ ንሕልፈት ክእሰር ከምዝተፈርደን ኣይርሳዕን።

እቲ ሕብረት፣ ተመሳሳሊ ባህሪ ዘለዎም መለኽቲ ስርዓታት ዝበዝሕዎን ኣብ ዞባዊ ጉዳያቱ ዝተፈላለየን ጸላዊ ስልጣን ዘይብሉን እኳ እንተኾነ፣ ኣብ ጉዳይ መንግስቲ ኤርትራ በጺሑ ግና ተመሳሳሊ መርገጺ ክሕዝ’ዩ ዝርአ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0