መራሕቲ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጉዳይ የመን ዘትዮም

መራሕቲ ግብጽን ስዑዲ ዓረብን ኣብ ጉዳይ የመን ዘትዮም

Radio Erena: 03 March 2015

Saudi Eg

ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ኣብ ጉዳይ የመንን ጸጥታ ቀይሕ ባሕርን ዘትየን።

ብሰንበት 1 መጋቢት ናብ ስዑዲ ዓረብ ዘምርሐ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ምስ ንጉስ ሳልማን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ብምርኻብ፣ ኣብ ጉዳያት የመን፣ ሊብያን ሶርያን ከምዝዘተዩ ንሰበ ስልጣን እታ ሃገር ብምጥቃስ ኣሶሸትድ ፕረስ ኣረጋጊጹ።

ግብጺ፣ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ የመን ከቢድ ስክፍታ ከምዘለዋን ክሳብ ወትሃደራዊ ምትእትታው ንምፍጻም ቅርብቲ ምዃናን ክትገልጽ እንከላ፣ ስዑዲ ዓረብ’ውን ብወግዒ ዝሃበቶ መግለጺ እኳ እንየዘየለ፣ ካብ ናይ ግብጺ ዝፍለ መርገጺ ከምዘይህልዋ’ዩ ዝትንተን።

 

ጋዜጣ ሞኒተር ናይ ግብጺ ኣቀዲሙ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ’ውን መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ግብጽን ኣብ ጉዳይ የመን ተበግሶታት ክወስዱ ዝጽውዕ ደብዳቤ ካብ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተለኣኸ’ዩ ዘመልክት።

ይኹን’ምበር ብዛዕባ እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ልኢኽዎ ዝተባህለ ደብዳቤ ካብ ክልቲኤን ወገናት ኣይትሰምዐን።

ገስጋስ ተቓወምቲ ሒቲ፣ ነታ ምስ የመን ሰፊሕ ዶብ ዘለዋ ስዑዲ ዓረብ ምስፍሕፋሕ ሃይማኖት ሺዓን ናይ ኢራን ወትሃደራዊ ምትእትታውን ከም ቀዳማይ ስግኣት ክትጥምቶ እንከላ፣ ግብጺ ብወገና፣ እቶም ተቓወምቲ ንባብ ኤል መንደብ ከይዓጽዉ ዝብል ስክፍታ ኣሕዲሩላ ይርከብ።

እዚ ናይ ፕረዚደንት ግብጺ ዑደት ናብ ስዑዲ ዓረብ’ውን ጎኒ ጎኒ’ቲ ብ ንግድን ፋይናንስን ዝምልከት ዘተን ዋዕላን፣ ኣብዚ ብጉዳይ የመን ዘለወን ስኽፍታን ስግኣትን’ውን ተዘራሪበናሉ ኣለዋ።

ኣብ ልዕሊ’ዚ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝዓበየ ኣጀንዳ ኮይኑ ዘሎ ጉዳያት ሶርያን ሊብያን’ውን ሓደ ካብ ዝተዘራረብሉ ነጥቢ’ዩ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0