ብሪጣንያ ንስደተኛታት መዓልታዊ እትግበሮ ዘላ ወጻኢታት ልዕሊ 726 ሽሕ ፓውንድ በጺሑ

ብሪጣንያ ንስደተኛታት መዓልታዊ እትግበሮ ዘላ ወጻኢታት ልዕሊ 726 ሽሕ ፓውንድ በጺሑ

Radio Erena: 03 March 2015

home office

ብሪጣንያ ንስደተኛታት መዓልታዊ 726 ሽሕ ፓውን ወጻኢ ትገብር ምህላዋ ካብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታትን ኢምግሬሽንን እታ ሃገር ዝወጸ ሓበሬታ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ኤክስፕረስ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ብሪጣንያ ኣብታ ሃገር ካብ 2010 ዑቕባ ንዝሓተቱ ስደተኛታት ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ብድምር 1.2 ቢልዮን ፓውንድ ወጻኢ ከምዝገበረት ብምጥቃስ፣ እዚ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ከቢድ ጽልዋ ፈጢሩ ምህላዉ የተሓሳስብ።

 

እዚ ንስደተኛታት ዝተገብረ ወጻኢታት፣ ንተወሰኽቲ 58 ሽሕ ነርሳት፣ 52 ሽሕ መማህራንን 47 ሽሕ ፖሊስን ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ይኽእል ምንባሩ’ውን ጸብጻብ ኤክስፕረስ የመልክት።

ብሪጣንያ ብዘይካ’ቲ ኣብ ሕክምና፣ መጽለሊ፣ ትምህርትን ካልእ ዝወሃብ ናጻ ኣገልግሎታት፣ ንሓደ ስደተኛ ኣብ ሰሙን ክሳብ 43 ፓውንድ ክፍሊት ከምእትህብ’ዩ ዝሕበር።

ኣብ ብሪጣንያ ካብቶም ዝበዝሑ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያን ምዃኖም ዝፍለጥ ኮይኑ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ንጉዳይ ዑቕባ ብዝምልከት መጽናዕቲ ኣብ ምክያድ ይርከብ።

እቐዲሙ’ውን ሓደ ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ብሪጣንያ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምስ ሰበ ስልጣን መንስግቲ ኤርትራ ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ኣምርሒኑ ምንባሩ ተገሊጹ’ዩ።

ብሪጣንያ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ነቲ ምስ ፈረንሳ ዘዳውብ ክፋል ብሓጹር ንምዕጻው ከምዝወሰነት’ውን ዝዝከር’ዩ።

ኣብ መወዳእታ 2014 ኣብ ብሪጣንያ ዑቕባ ዝሓተቱ ስደተኛታት ብዝሒ 29 ሽሕ ከምዝበጽሐ’ዩ ጸብጻብ እታ ሃገር ዝጠቕስ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሃገራት ኤውሮጳ ብብዝሒ ስደተኛታት ከም ዘማርራ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ድማ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ንቁጽሪ ሶርያውያን ተኸቲሉ ካልኣይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0