ፕረዚደንት ናሚብያ ኣብነታዊ መራሒ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተባሂሉ ተሸሊሙ

ፕረዚደንት ናሚብያ ኣብነታዊ መራሒ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተባሂሉ ተሸሊሙ

Radio Erena: 03 March 2015

Nam

ብደሞክራስያዊ ምርጫ ናብ ስልጣን ዝመጸ ፕረዚደንት ናሚብያ ሂፊከፑንየ ፖሃምባ ስልጣኑ ብምርጫ ንዝመጸ ካልእ መራሒ ክገድፍ ምውሳኑ ኣብነታዊ ደሞክራስያዊ መራሒ ተባሂሉ ሓሙሽተ ሚልዮን ዶላር ተሸሊሙ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ መጋቢት 2005 ብምርጫ ተዓዊቱ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጻእ፣ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ዝፈቕዶ ሕጋጋት ድማ ንኻልኣይ ግዜ ተወዳዲሩ ብምዕዋት’ዩ ን10 ዓመት ነታ ሃገር ኣማሓዲርዋ።

 

ቅዋም ናሚብያ፣ ሓደ መራሒ ነንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ንኽልተ እዋን ፕረዚደንት ኮይኑ ንኽምረጽ ዝፈቅድ’ዩ።

ፕረዚደንት ሂፊከፑንየ ፖምባ ድማ ብምርጫ ኣብ ስልጣን ዝጸንሓለን 10 ዓመታት ዛዚሙ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ብምርጫ ንዝዕወት ሓድሽ መራሒ ብሕጋውን ወግዓዊ መንገዲ ስልጣን ከረክብ’ዩ።

ኣብታ ሃገር ዴሞክራስን ውሑስ ምስግጋር ስልጣንን ንምትብባዕ ብዝወሰዶ ተበግሶ ድማ ናይ 2014 ኣብነታዊ መራሒ ኣህጉር ኣፍሪቃ ተባሂሉ’ዩ ብኣህጉራዊ ትካል ኢብራሂም ሞ ተሸሊሙ ዘሎ።

ሱዳናዊ መበቆል ዘለዎ ቢልዮነር ኢብራሂም፣ ሽልማት ኣብነታውያን መራሕቲ ኣህጉር ኣፍሪቃ ንምትእትታው ካብ ዝደፋፍኦ ሓደ ምኽንያት፣ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰለማዊ መንገዲ ውሑስ ምስግጋር ስልጣን ንኸይህሉ ዝገብርዎ ናይ ምልኪ ጻዕርታት፣ ንኣፍሪቃ ግዳይ ኵናትን ድሕረትን ጌርዋ ኣሎ ካብ ዝብል መትከል’ዩ።

እዚ ናይ ኢብራሂም ሞ ሽልማት ኣብነታውያን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 2007 ካብ ዝተኣታተወሉ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ካብ 54 መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ሰለስተ መራሕቲ ጥራይ’ዮም ተዓዊቶም።

ንሽልማት ኣብነታውያን መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተዓወቱ ፕረዚደንታት ኬፕቨርደ፣ ቦትስዋናን ሞዛምቢኪን ክኾኑ እንከለዉ ናይ 2014 ድማ ፕረዚደንት ናሚብያ ተጸንቢርዎም ኣሎ።

ፕረዚደንት ናሚብያ፣ ስልጣኑ ብህዝቢ ናብ ዝተመርጸ ሓድሽ መራሒ ዘረክበሉ ምኽንያት ምእንቲ ሽልማትን ዝናን ዘይኮነ ካብቲ ንቅዋም ሃገሩን ህዝቡን ዘለዎ ኣኽብሮት ዝነቕል ምዃኑ ነቲ ሽልማት ከምዝተዓወተ ኣብ ዝተነግረሉ ኣጋጣሚ ገሊጹ።

በንጻር እዚ ድማ ከም ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝኣመሰሉ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንቅዋምን ባይቶ ሃገርን ከናሽው’ዮም ዝስምዑ።

መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ 20ታት ክሳብ 30ታት ዓመት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ኮይኖም፣ ብሕጂ’ውን ስልጣን ብውሑስ መንገዲ ናይ ምስግጋር ዝኾነ ኣንፈት ዘይብሎም’ዮም።

==========================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0