መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ የመን ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ገምጊሞም

መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ኣብ የመን ንዝካየድ ዘሎ ኵናት ገምጊሞም

Radio Erena: 05 June 2017

UAE Saudi

ንጉስ ሳልማን ናይ ስዑዲ ዓረብን ወራሽ ዓራት ኣቡ ዳቢን ምክትል ኣዛዚ ሰራዊት ሕቡራት ኢማራትን ሸሕ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናይሃንን፣ ብዛዕባ ህልዉ ኩነታት ናይቲ ኣብ የመን ዘካይድዎ ዘለዉ ወትሃደራዊ መጥቃዕታት ዝግምግም ዘተ ከምዘካየዱ ማዕከናት ዜና ዓረብ ሓቢረን።

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን፣ ነቲ ኣብ የመን ኣንጻር ሑቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ 31 ሃገራት ልፍንታዊ ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ ዝመርሓ ዘለዋ’የን።

ኣብ የመን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቐጸለ ኵናት፣ ንሑቲ ክኣሊ ብዘይምኽኣሉ፣ ኩነታት የመን ብፖለቲካዊ መንገዲ ጥራይ ከምዝፍታሕ ተንተንቲ ፖለቲካ የተሓሳስቡ።

እቶም መራሕቲ፣ ብዓርቢ 2 ሰነ ኣብ ሪያድ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፣ ብዘይካ ኣብ ኩነታት የመን፣ ኣብ ኣብ ዞባ ወሽመጥ ሃገራት ዓረብ ዝርአ ዘሎ ምክፍፋላት፣ ጉዳይ ቀጠር ከምኡ ድማ ስግኣታት ኢራን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ከምዘተዩ’ውን እተን ማዕከናት ዜና ኣረዲኤን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0