ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ኣስታት 200 የመናውያን ወትሃደራት የመን፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ከተማ ዓደን ከምዝተዋፈሩ ተሓቢሩ

ኣብ ኤርትራ ዝሰልጠኑ ኣስታት 200 የመናውያን ወትሃደራት የመን፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ከተማ ዓደን ከምዝተዋፈሩ ተሓቢሩ

Radio Erena: 04 June 2017

Yemeni soldiers

ኣብ ኤርትራ ክስልጣኑ ዝኣስታት 200 የመናውያን ወትሃደራት፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ከተማ ዓደን ከምዝተዋፈሩ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ንኣስታት ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከባቢ ኣፋምቦ ስልጣነ ክወስዱ ዝጸንሑ ወትሃደራት መንግስቲ የመን፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ግንቦት ካብ ወደብ ዓሰብ ተፋንዮም፣ ብናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ መርከብ፣ ናብ ወደባዊት ከተማ ዓደን ከምዝኣተዉ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።

እቲ ስልጣነ ብምትሕብባር ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ከምዝተኻየደ ዝሓብሩ እቶም ምንጭታት፣ ንወትሃደራት ናይቲ ብሃገራት ልፍንቲ ወሽመጥ ዓረብ ዝድገፍ መንግስቲ የመን ከምዚ ዓይነት ስልጠና ክወሃብ፣ እዚ ብውሕዱ መበል ሓሙሻይ ዙርያ ምዃኑ ኣስሚሮም።

 

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0