መራሕቲ ሱዳንን ቻድን ኣብ ጸጥታ ዶባቶም ዘትዮም

መራሕቲ ሱዳንን ቻድን ኣብ ጸጥታ ዶባቶም ዘትዮም

Radio Erena: 05 December 2017

Chad Sudan

መራሕቲ ሱዳንን ቻድን ብዛዕባ ጸጥታ ዶባት ክልትኤን ሃገራት ዘትዮም።

እቶም መራሕቲ ነዚ ዝዘተዩ፣ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ሃገራዊ ጽምባል ቻድ ንምስታፍ ብ1 ታሕሳስ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዉ’ዩ።

ንሱ ኣብቲ ምስ ፕረዚደንት ቻድ እድሪስ ደቢ ዘካየዶ ዝርርብ፣ ንዝምድና ክልቲኤን ጎረባብቲ ሃገራት ድሕሪ ግምጋም፣ ኣብ ጸጥታ ዶባትን ንግድን ብዝምልከት ብሰፊሑ ከምዝተመያየጡ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ካብ እንጀሜና ሓቢሮም።

ሱዳንን ቻድን ብጉዳይ ዕጡቓት ዳርፉር ብቀጻሊ ክሰሓሓባ ዝጸንሓ ሃገራት እኳ እንተኾና፣ ጉዳይ ዳርፉር ተዛማዲ ፍታሕ ረኪብሉ ኣብ ዘሎ እዋን’የን ክልትኤን ሃገራት ብጉዳይ ዶብ ዝርርብ ዘካየዳ።

ሱዳን ኣብ ዞባ ዳርፉር ንዝርከቡ ዕጡቃት ብረቶም ናይ ምውራድ መስርሕ ተካይድ ከምዘላ ይፍለጥ።

መንግስቲ ሱዳን ምስዚ ብዝተሓሓዝ፣ ነቲ ኣንጻር ጸለምቲ ደቀባት እቲ ዞባ መጥቅዕታት ክፍንዉ ዝጸንሑ መራሒ ናይ ኣዕራብ ሚሊሻ ጃንጃዊድ ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ንመንግስቲ ቻድ ከምዘሐጎሱ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ቻድ፣ ንመራሒ ጃንጃዊድ ሙሳ ሂላል፣ ጸለምቲ ደቀባት እቲ ዞባ ኣብ ምጽናት ዝተዋፈረ’ዩ እናበለት’ያ ትወቕሶ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0