ኣስመራ፣ ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሐ ጸገማት ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክን ተዛማዲ ፍታሕ ይረክብ

ኣስመራ፣ ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሐ ጸገማት ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክን ተዛማዲ ፍታሕ ይረክብ

Radio Erena: 05 December 2017

Asmara Bella

ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ንሓያሎ ዓመታት ዝጸንሐ ጸገማት ኣገልግሎት ማይን ኤሌክትሪክን ተዛማዲ ፍታሕ ከምዝረኸበ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ካብታ ከተማ ሓቢሮም።

ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ዝህነጽ ዘሎ መኸዘኒ ማያት፣ ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ኣትሒዙ፣ብሻምብቆታት ኣገልግሎቱ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንሓያሎ ኣባይቲ ክባጽሕ ብምኽኣሉ፣ ጸገም ዝስተ ማይ ከተማ ኣስመራ ተዛማዲ ፍታሕ ረኺቡ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ምስፋሕ ተመሳሳሊ መደባት ይቕጽል ከምዘሎ ጠቒሶም።

ኣብ ሓይሎ ከባቢታት፣ ብሻምብቆታት ዝዝርጋሕ ዘሎ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ ነቲ በራሚል ኣብ ጎደናታት ሰሪዑ ቦጣት ዝጽበ ዝነበረ ህዝቢ ካብ ሃልኪን ገልታዕታዕን ኣድሒንዎ ኣሎ።

ብሻምብቆታት ማይ ክበጽሖ ዝኸኣለ ኣባይቲ፣ ነቲ ገና ዘይተባጽሖ ክፋል ህብዚ፣ ንሓደ ጀሪካን ወይ 20 ሊትሮ ማይ ብ50 ሳንቲም ክሸጥሉ መምርሒ ተዋሂቡ ከምዘሎ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ካብዚ መጠን ክፍሊት እዚ ንላዕሊ ክሸጡ ዝተረኽቡ ከኣ ክቕጽዑ ምዃኖም ብመንገዲ ምምሕዳራት ሓበሬታ ከምዝተዘርግሐ ኣመልኪቶም።

ብኣገልግሎት ማይ ተጻጊሙ ዝጸንሐ ሓያሎ ከባቢታት ኣስመራ ተዛማዲ ፍታሕ ክርከብ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ገና ጸገሙ ዘይተፈትሐሉ ከባቢታት ከምዘሎ’ውን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ብቀጻሊ ከቛርጽን ኣብ ገለ እዋናት ድማ በብእብረን ኮይኑ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ’ውን ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ዝሓለፈ ቅንያት ኣትሒዙ 24 ሰዓታት ብዘይምቁራጽ ይቕጽል ከምዘሎ እቶም ነዚ ሓበሬታ’ዚ ዝልኣኹ ምንጭታት ኣገንዚቦም።

ኣብ ሕርጊጉ ብልዕሊ 96 ሚልዮን ዶላር ዝተተኽለ ተወሰኽቲ ጀነሬተራትን ምጽጋን እቲ ዝነበረን እቲ ንኣስመራን ከባቢኣን ጸልዩ ዝጸንሐ ምቁራጽ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክፈትሕ ከምዝኸኣለ ምስ መንግስቲ ቅርበት ዘለዎም ወገናት ይሕብሩ።

ነቲ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዝኸበደ ብድሆ ፈጢሩ ዝርከብ ናህሪ ዋጋታት ክራይ መንበሪ ኣባይቲ’ውን ካብ 15 ሕዳር ጀሚሩ ወጺኡ ብዘሎ ሓድሽ ኣዋጅ መሰረት ንምፍትሑ ይትግበር ከምዘሎ መንግስቲ ይገልጽ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0