ምስ ሑቲ ዝነበሮ ልፍንቲ ብምርሕራሕ ኣንጻሮም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተጸሚዱ ዝጸንሐ ፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ተቐቲሉ

ምስ ሑቲ ዝነበሮ ልፍንቲ ብምርሕራሕ ኣንጻሮም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተጸሚዱ ዝጸንሐ ፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ተቐቲሉ

Radio Erena: 04 December 2017

Ali Abdela saleh

ምስ ሑቲ ዝነበሮ ልፍንቲ ብምርሕራ ኣንጻሮም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተጸሚዱ ዝጸንሐ ፕረዚደንት የመን ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ከምዝተቐትለ ተገሊጹ።

እቲ ፕርዚደንት ነበረ ከምዝተቐትለ ዝግለጽ ዘሎ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሙን ምስ ሑቲ ዝነበሮ ልፍንቲ ብምሕዳግ፣ ኣብ ኵናት ሓድሕድ ተጸሚዱ ድሕሪ ምቕና’ዩ።

ንሱ ምስ ሑቲ ድሕሪ ምግጫው፣ ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምዝዛው፣ ምስ ሰበ ስልጣን ስዑዲ ዓረብ ክዘራረብ ከምዝደሊ’ዩ ክገልጽ ጸኒሑ።

ሓይልታት ስዑዲ ዓረብ ብወገኖም፣ ነቲ ካብ ልፍንቲ ሑቲ ወጺኡ ኣንጻሮም ኵናት ሓድሕድ ዝኣወጀ ፕረዚደንት ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ንምድጋፍ ኣንጻር ሑቲ ተደጋጋሚ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳ።

እንተኾነ ሓይልታት ሑቲ ነቲ ብፕረዚደንት የመን ነበረ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዝምራሕ ሓይሊ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ጸራሪጎም ከምዝሃድም’ዮም ጌሮሞ።

ሑቲ ሰኑይ 4 ታሕሳስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ከኣ እቲ ምስ ሑቲ ዝነበሮ ልፍንቲ ብምጥላም፣ ምስ ስዑዲ ሓቢሩ ኣንጻሮም ኵናት ሓድሕድ ዝኣወጀ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ከምዝተቐትለ ኣረጋጊጾም።

ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ነቲ ምስ ሑቲ ዝነበሮ ልፍንቲ ብምጥላም ምስ ሓይልታት ስዑዲ ዓረብ ክተሓባባር ድሕሪ ምውሳኑ፣ መንግስቲ ኤርትራ ትማሊ 3 ታሕሳስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ንዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ዮሃና” ድሕሪ ምባሉ’ዩ ሎሚ 4 ታሕሳስ ተቐቲሉ።

==============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0