መራሕቲ ሱዳንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ ዞባዊ ጉዳይ ተመያይጦም

Radio Erena: 03 May 2021

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ልዩተናት ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣል ቡርሃንን ወራሲ ዓራት ኣቡዳቢን ምክትል ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ኣዛዚ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፣ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያንን ኣብ ዞባዊ ጉዳያት ብምትኳር ተመያይጦም።

እቶም መራሕቲ፣ ኣብቲ ብ1 ግንቦት ዘካየድዎ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፣ ብዘይካ’ቲ ንሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ኣሰሓሕቡ ዘሎ ዶባት፣ ኣብ ጉዳይ እቲ ኢትይጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋን ኣጠቓቕማ ናይልን ብዝምልከት’ውን ከምዝተመያየጡ ዲፕሎማሰኛታት ኣንፊቶም።

ብዘይካ’ዚ፣ ኣብ ሱዳን ናይ ቢልዮናት ዝግመት ናይ ወፍሪ ፕሮጀክታት ዘለዋ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ተወሳኺ ምትሕግጋዛት ብዝምልከት ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብቲ ንሱዳን፣ ግብጺን ኢትይጵያን ዘሰሓሕብ ዘሎ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ናይል፣ ናይ ሽምግልና ተበግሶ እንተወሲዳ፣ ሱዳን ከም እትቕበሎ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0