መራሕቲ ሰራዊት ሱዳን ፍልልያቶም ከወግዱ ተሰማሚዖም

Radio Erena: 14 March 2023

ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ዓደል ፈታሕ ኣል ቡርሃንን ምክትሉ መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ማለት ሑመትን፡ ብ ቀዳም 11 መጋቢት ኣብ ከተማ ካርቱም ተራኺቦም ብምዝርራብ፡ ጸጥታ ናይታ ሃገር ናብ ንቡር ክመልሱን ኣጋጢሙ ዝቐነየ ፖለቲካዊ ፍልልያት ሓቢሮም ክፈትሑን ተሰማሚዖም።

መራሒ ልኡላዊ ቆንስል ሱዳንን ምክትሉ ኣዛዚ ፈጣን ሓይልታት ሑመቲን፡ኣብ ትግባረ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ታሕሳስ ዝተፈረመ መቓናዊ ስምምዕን ምስፍሕፋሕ ፈጣን ሓይልታት ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ኣብ ናይ ቃላት ኲናት ምቕናዮም ዝፍለጥ እዩ።

ድሕሪ ናይ 1 ወርሒ ምስሕሓብ ኣብ መአዘዚ ነቑጣ ምክልኻል ናይታ ሃገር ተራኺቦም፡ ድሕሪ ምንቅልቋል ዝምድናታት ንመጀመርያ ግዜ ብኣካል ከም ዝዘተዩ፡ ብሉእላዊ ቆንስል ሱዳን ዝወጸ መግለጺ የረድእ።

ኣብቲ ኣኼባ ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ናይታ ሃገር ኣልዒሎም ከም ዝተዛተዩን፡ ካብ ሓይልታት ምክልኻል፡ ዝምልከቶም ሃገራውያን ትካላትን ኣብ ስምምዕ ዝተሳተፉ ዕጡቓት ምንቅስቓሳትን ዝቖመት ሓባራዊ ጸጥታዊ ኮሚቴ ክምስርቱ ምስምምዖም ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ ፖለቲካዊ መስርሓት ናይታ ሃገርን መጻኢ ኣንፈታቶምን እውን ተዘትይሉ ኢሉ።

ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መንግስቲ ንምትሕልላፍ ዝዓለመ መቓናዊ ስምምዕ ሰላም ሱዳን፡ ሑመቲን ሲቪላውያን ፖለቲካውያን ሓይልታትን ብቕልጡፍ ክትግበር ክጽውዑ እንከለዉ፡ መራሒ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዝኾነ ኣል ቡርሃን ግን፡ ተወሰኽቲ ፖለቲካውያን ሓይልታት ነቲ ስምምዕ ክሳብ ዝጽንበርዎ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ እዩ ክጽውዕ ጸኒሑ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0