ጉዳይ ዲጋ ህዳሴ፡ቀዋሚ ኣጀንዳ ዓረብ ሊግ ኮይኑ

Radio Erena: 14 March 2023

ዓረብ ሊግ ኣብ ዝገበሮ መበል 159 ኣኼብኡ ጉዳይ ዲጋ ህዳሴ ከም ቀዋሚ ኣጀንዳ ናይቲ ሊግ ክኸውን ኣጽዲቑ።

ብመሪሕነት ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ሳምሕ ሹክሪ ተመሪሑ ዝተኻየደ መበል 159 ኣኼባ ናይቲ ሊግ፡ ብሓሙስ 9 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እዩ፡ ን10 ዓመታት ንኢትዮጵያን ግብጽን ከከራኽር ዝጸንሐ ጉዳይ ናይቲ ዲጋ ቀዋሚ ኣጀንድኡ ክኸውን ዘስፈረ።

ሚንስተር ሹክሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ናይቲ ዲጋ ጉዳይ ቀዋሚ ኣጀንዳ ክኸውን ምውሳኑ፡ ዓረብ ሊግ ንመሰል ግብጽን ሱዳንን ንምሕላው ዘለዎ ቆራጽነት ዘርኢ እዩ ኢሉ።

ጉዳይ ህዳሴ ን140 ሚልዮን ዜጋታት ሃገራት ዓረብ ዝምልከት ስለ ዝኾነ፡ እቲ ሊግ ቀዋሚ ኣጀንዳ ከም ዝገበሮ ብምጥቃስ፡ እቲ ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነት እዩ ኢልና ስለ እንኣምን፡ ኢትዮጵያ ናይ ግብጽን ሱዳንን ድሌት ብምቕባል፡ እወታዊ ስጉምቲ ክትወስድ ንትስፎ ክብል ገሊጹ።

ሽኩሪ፡ ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ኣሳሪ ዝኾነ ሕጋዊ ስምምዕ ከይበጽሐት፡ ህንጸት እቲ ዲጋ፡ ብማይ ምምልኡን ኣብ ኣገልግሎት ምውዓሉን ምቕጻላ እውን ወቒሱ።

እንተኾነ ናይ ዓረብ ሊግ ውሳነን፡ መግለጺ ናይዚ ሚንስተር ጉዳያት ወጻእን ካብ ኢትዮጵያ ብርቱዕ ተቓውሞ ገጢምዎ’ሎ።

ነቲ መግለጺ ግብረመልሲ ዝሃበ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ብመንጎኝነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዘተታት ከካይዳ ምጽንሐን ብምዝኽኻር፡ መግለጺ ዓረብ ሊግ ግብጺ ኣብቲ ዝርርብ ብቕኑዕ መንፈስ ትሳተፍ ምንባራ ከም ዘተሓታት ዝገብር’ዩ ኢሉ።

ኣመላልኣ ናይቲ ዲጋ፡ ኣገልግሎቱ፡ ከምኡ’ውን ምምሕዳርን ኣጠቓቕማን ፈለግ ኒል ንዝምልከተን ሃገራት ኣፍሪቃ ክግደፍ ዘለዎ ጉዳይ እዩ እትብል ኢትዮጵያ፡ ፈለግ ኒልን ዝውንንኦ ሃገራትን ኣብ ኣፍሪቃ ስለ ዝርከባ ዓረብ ሊግ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ኣትዩ፣ መሰረታውያን ኣህጉራውያን ሕጋጋት ብምጥሓስ፡ ናይ ሓንቲ ሃገር ጥራይ ኣፈኛ ኮይኑ እዩ ዘገልግል ዘሎ ክትብል ወቒሳ።

ንሕርሻ፡ ቀረብ ማይን ጽዓትን ምሉእ ብምሉእ ኣብ ፈለግ ኒል እትምርኮስ 109 ሚልዮን ዜጋታት ትውንን ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ዲጋ ብምስርሓ ናብ ሃገራ ዝውሕዝ ማይ ከይጎድል ክትሰግእን፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ንህንጸት እቲ ዲጋ ክትቃወምን ጸኒሓ እያ። ግብጺ ኣጠቓላሊ ስምምዕ ከይተበጽሐ ኢትዮጵያ ብበይናዊ ስጉምቲ ዲጋ ምስራሓን ምምላኣን ብምቅዋም፡ ኣብ ሕጋዊ ስምምዕ ክበጽሓ ንዓረብ ሊግ ኣብ ጎድና ኣሰሊፋ ክትምጉት ምጽንሓ ይፍለጥ።

55ሚእታዊት ካብ ህዝበይ ኣገልግሎት ኤለትሪክ የብሉን ትብል 120 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ብወገና፡ ዝበዝሕ ትሕዝትኡ ካብኣ ዝምንጩ ፈለግ ኒል ተጠቂማ ንህዝባ ብርሃን ከተብጽሕ ከም እትደልን፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ማይ ብኸመይ ትጥቀመሉ ዝውስን ስምምዕ ከም ዘየድልያን ጠቒሳ ትከራኸር። ህንጸት ናይቲ ዲጋ ንግብጽን ካልኦት ካብቲ ፈለግ ዝጥቀማ ሃገራትን ጥቕሚ እምበር ጉድኣት ከም ዘየብጽሕ ትጠቅስ ኢትዮጵያ፡ ዘተታት እውን እንተኾኑ ኣብ ትሕቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ክግበሩ ትምሕጸን።

ዲጋ ህዳሴ ኣብዚ ሕጂ እዋን 83 ሚእታዊት ካብ መስርሕ ህንጸቱ ተጠናቒቑ፡ 3ይ ዙርያ ምምላእ ማይ ብዓወት ከም ዝዛዘመ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ብመንገዲ 2ተ መመንጨዊ ተርባይን፣ ጽዓት ኤለክትሪክ ከመንጩ ጀሚሩ ከም ዘሎ’ውን ይንገር።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0