መራሒት ጀርመን ኣንግላ መርከል፣ ኣብ ኒጀር፣ ማሊን ኢትዮጵያን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺማ

Radio Erena: 12 October 2016

Merekel

መራሒት ጀርመን ኣንግላ መርከል፣ ኣብ ኢትዮጵያ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺማ።

ቻንስለር ጀርመን ኣንግላ መርከል፣ ብሰሉስ 11 ጥቅምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተወትሉ ፣ ኣብ ጉዳያት ስደተኛታት፣ ሰብኣዊ መሰላትን ልምዓታዊ ምትሕግጋዝን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዘትያ።

ብዘይካ’ዚ’ውን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሩ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ሓይሎ ሃገራት ዝጻወቶ ዘሎ ናይ ምቕቃብ ሰላም ተልእኾን ብዝምልከት’ውን ከምዝተዘራረበት ይሕብር።

ጀርመን ካብ 2004 ክሳብ 2016፣ ኣስታት ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትልእኽ እንከላ መብዛሕቱ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ምዕቃብ ሰላምን ጸጥታን ከምዝወዓለ ጸብጻብ ዶቸ ቨለ የመልክት።

ኢትዮጵያ ብቀዳም 8 ጥቅምቲ ናይ ህጹጽ እዋን ካብ እትእውጅ፣ ኣንግላ መርከል ናብታ ሃገር ዝበጽሐት ናይ ፈለማ መራሒት ወጻኢ ሃገር’ያ።

እታ መራሒት፣ ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምምጽኣ፣ ኣብ ማሊን ኒጀርን ወግዓዊ ምብጻሕ ብምፍጻም ኣብ ጉዳይ ስደት፣ ወፍሪን ምትሕግጋዝን ዘተኮረ ኣርእስታት ዘትያ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0