ዶባት ፈረንሳ ንምስጋር፣ ክልተ ኤርትራውያን መንእሰያት ብሓደጋ መኪና ሞይቶም

Radio Erena: 11 October 2016

Calais

ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ኣብ ካሌ ካብ ዝተኣኻኸቡ ስደተኛታት፣ መካይን ብናህሪ ኣብ ዝሓልፋሉን ንኣጋር ክልኩል ኣብ ዝኾነን ኣውራ ጽርግያ ድሕሪ ምእታዉ ሓደ ኤርትራዊ ብሓደጋ መኪና ከምዝሞተ ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ሓቢረን።

እቲ ስሙ ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ፣ ምስ ካልኦት ሓያሎ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ንዝሓልፋ መካይን ንምዕጋት፣ ብሰንበት 9 ጥቅምቲ ናብ ጽርግያ ድሕሪ ምእታው፣ ብናህሪ እትሕንበብ ብዝነበረት መኪና ከምዝተረግጸ ጸብጻብ ፖሊስ ፈረንሳ ይገልጽ።

በቲ ሓደጋ፣ በዓልቲ ቤት እቲ መራሕ መኪናን ካልእ ስደተኛን ጉድኣት ከምዝበጽሖም እቲ ጸብጻብ ይጠቅስ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ካሌን ከባቢኡን ኣስታት ሽዱሽተ ሽሕ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ኣፍጋኒስታን፣ ሶርያን ካልኦት ሃገራትን ተኣኻኺቦም ኣለዉ።

ብሪጣንያ፣ ነቲ ካብ ፈረንሳ ዝተበገሳ መካይንን ባቡርን ዝሓልፋሉ መንገድታት ብትሪኮላታን መናድቕን ትሓጽረሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ሓያሎ ስደተኛታት እቲ መንደቕ ቅድሚ ምዝዛሙ ንምስጋር ብብዝሒ ናብ ጽርግያታት እናኣተዉ ፈተነታት የካይዱ ምህላዎም ፖሊስ ከጠንቅቕ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ናይ ካሌ ጽርግያ፣ በብእዋኑ ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ካልኦትን ዝርከብዎም ሓያሎ መንእሰያት ተረጊጾም ከምዝሞቱ ጸብጻባት ፖሊስ የመልክት።

Milete

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ምልእተ ተስፋማርያም ዝተባህለት ጓል 17 ዓመት ኤርትራዊት መንእሰይ፣ ካብ ኢጣልያ ናብ ፈረንሳ ንምስጋር፣ ኣብ ከተማ ቨንቲሚልያ፣ ንኣጋር ኩልኩል ኣብ ዝኾነ፣ መካይን ብናህሪ ዝሓልፋሉ ኣውራ ጽርግያ ድሕሪ ምእታዋ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብሓደጋ መኪና ከምዝሞተት ማዕከናት ዜና እቲ ከባቢ ሓቢረን።

ኣብ ቨንቲሚልያ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ብ9 ጥቅምቲ ጸሎተ ፍትሓት ከምዝተኻየደላ’ውን ጠቒሰን።

ንፈረንሳን ኢጣልያን ኣብ እተዳውብ ንእሽቶ ከተማ ቨንቲሚልያ፣ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ኣሽሓት ስደተኛታት ናብ ፈረንሳ ከይኣትዉ ብፖሊስ ተዓጊቶም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

===================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0