ብሑቲ ዝተጠቕዐት መርከብ ሕ/ኢ ዓረብ፣ ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ተሳሒባ ናብ ወደብ ዓሰብ ተጸጊዓ

Radio Erena: 12 October 2016

UAE ship

ብሑቲ ዝተጠቕዐት መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብሓገዝ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ እናተሳሕበት ናብ ወደብ ዓሰብ ከምዝተጸገዐት ተገሊጹ።

እታ ብ1 ጥቅምቲ ናብ ኤርትራ ቅርበት ኣብ ዘለዎ ክሊ ማይ ባብ ኤልመንደብ ብሑቲ መጥቃዕቲ ዝተፈነወላ መርከብ፣ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረዳን፣ ሓያሎ ሰራሕተኛታታ ከኣ ጉድኣት ከምዝበጽሖምን ሚ/ጉ ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ የረጋግጽ።

ነታ መርከብ ንምሕጋዝ፣ ናብቲ ከባቢ ዝተጓዕዛ መራኽብ ኵናት ኣመሪካ’ውን ካብ ሑቲ ሚሳይላት ከምዝተተኮሰለን ሰበ ስልጣን ሚኒስትሪ ምክልካል ኣመሪካ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምግላጾም ኣይርሳዕን።

ሓደ ካብ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ኣመሪካ ዝኾነ ፎክስ ኒውስ፣ ንክልተ ሰበ ስልጣን ምክልኻል ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ዜና ከኣ፣ እታ ብሑቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደላ መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ተሳሒባ ናብ ናይ ኤርትራ ወደብ ተጸጊዓ ኣላ።

እታ ናብ ዓደን እትመርሕ ዝነበረት ወትሃደራዊ መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተበግሰተሉ ወደብ ዛጊት እኳ እንተዘይተነጸረ፣ ዝተሃርመትሉ ከባቢ ናብ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎ ክሊ ማይ ብምዃኑ፣ ካብ ወደብ ዓሰብ ዝተበገሰት ክትከውን ከምእትኽእል ይግመት።

እታ መርከብ ድሕሪ ዝወረዳ መጥቃዕቲ’ውን ተሳሒባ ናብ ናይ ኤርትራ ወደብ ምጽግዓ፣ ካብ ዓሰብ’ያ ተበጊሳ ንዝብል ግምታት’ዩ ዘራጉድ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ እታ ካብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝተዓደገት ወትሃደራዊት መርከብ ናብ ሲቪል ዝውዕል ረዲኤት ንምብጻሕ ትጓዕዝ ከምዝነበርት እኳ እንተገለጸት፣ ሑቲ ግና ወትሃደራዊ ሓገዝ ዝጸዓነት ምንባራ’ዩ ዘመልክት።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንወደብ ዓሰብ ንሎጂስቲካውን ወትሃደራውን ኣገልግሎታት ትግልገለሉ ከምዘላ ዝተፈልጠ ኮይኑ፣ ኣምሳያኡ ከኣ ንመንግስቲ ኤርትራ ናይ ነዳዲን ካልእን ሃገዛት ተበርክተሉ ከምዘላ’ዩ ዝዝረብ።

እንተኾነ፣ ኤርትራ ኣምሳያ ናይቲ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ወደብ ዓሰብ እትህቦ ዘላ ሎጂስቲካዊ ኣገልግሎታት ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይተገብረላ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃል መጠይቅ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0