መልእኽቲ ብ/ጀ ቢትወደድ ኣብርሃ ኣብ ህዝቢ ሓያል ጽልዋ ይፈጥር

መልእኽቲ ብ/ጀ ቢትወደድ ኣብርሃ ኣብ ህዝቢ ሓያል ጽልዋ ይፈጥር

Radio Erena : 09 October 2015

Bitew

ን24 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርጋዴር ጀነራል ቢትወደድ ኣብርሃ፣ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ናይ 1997 ንሓጺር እዋን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝወጸሉ፣ ንህዝቢ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንመጀመርያ እዋኑ ብድምጽን ቪድዮን ምቅልሑ፣ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣብ ልዕሊ ዝነብር ህዝቢ ኣውራ መዘራረቢ ጉዳይ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ብሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ተሰኒዱ ዝርከብ ናይ ድምጽን ተንቀሳቓሲ ስእልን መልእኽቲ ብርጋዴር ጀነራል ቢትወደድ ኣብርሃ፣ ኣብ መበል 24 ናይ ማኣሰርቲ ዓመቱ ንመጀመርያ እዋኑ ምቅልሑ፣ ነቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ሕቶ መሰልን ፍትሕን ጉዳያት ሃገርን ህዝብን ንዘልዓሉ ተባዓት ኤርትራውያን ደሃዮም ብምጥፋእ ልሳኖም ከምዝዕበስ ብምግባር፣ ኣንጻር ናይ ስርቂ፣ ብልሽውናን ክድዓትን ክሲ ዝነዝሖ ወረታት ብንጹር ዘቃልዐ’ዩ።

 

ሓርበኛ ተጋዳላይ ጀነራል ቢትወደድ ኣብርሃ፣ ካብ 1991 ኣትሒዙ ብዘይዝኾነ ወግዓዊ ክስን ሕጋዊ መስርሕ ኣብ ቤት ማኣሰርቲ ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ኣብ መወዳእታ 1997 ድማ ንሓጺር እዋን ከምዝወጸ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ሕቶኡ ሕቶ መሰልን ፍትሕን ዜጋታት፣ ሕቶ ምትካል ደሞክራስያዊ መንግስትን ልኣላውነት ሃገርን ምዃኑ ኣብቲ ንሓጺር እዋን ዝወጸሉ ግዜ ንህዝቢ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ደጊሙ ድሕሪ ምንጻሩ፣ ከም እንደገና ብፕረዚደንት ኢሰይያስ ብዝተላእኩ ሓይልታት ጸጥታት ተታሒዙ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከብ።

ጀነራል ቢትወደድ፣ መሰልን ፍትሕን ዜጋታት፣ ሕቶ ምትካል ደሞክራስያዊ መንግስትን ልኣላውነት ሃገርን ብማእሰርቲ ጥራይ ዘይኮነ መስዋእቲ ክኸፍለሉ ቅሩብ ምዃኑ ኣብቲ ቅድሚ 17 ዓመታት ንህዝቢ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብንጹር ኣቐሚጡ ኣሎ።

መልእኽቲ ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢትወደድ ኣብርሃ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ንዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፣ ኣብ ኤርትራ ፍትሕን ሕግን ንምንጋስ፣ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል፣ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ከቢድ ገበናት ዝፍጽሙ ዘለዉ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ናብ ፍርዲ ንምቕራቦም ብዝልዓለ ንኽቃለሱ ዝድርኽ ኮይኑ ምህላዉ ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ሜድያታት ዝርአ ዘሎ’ዩ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ዘቕረብዎ ፖለቲካዊ ሕቶታትን ጉዳይ ሃይማኖትን ካልእን ተኣሲሮም ደሃዮም ናይ ዝጠፍኡ ኣማኢት ኤርትራውያን ቀዳማይ ተሓታቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምዃኑ’ውን እቶም ኤርትራውያን ይሰማምዑ።

ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ’ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ሃለዋት ሓያሎ ኤርትራውያን ከምዝጠፍእ ብምግባርን፣ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብምፍጻምን፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ከምዝፈጸሙ ብምረትዖታት ኣብ ቅድሚ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንምኽሳሶም፣ ናይ ሓደ ዓመት ተወሳኺ ዕማም ተዋሂቡዋ ስርሓ ኣብ ምጽፋፍ ትርከብ።

=======================================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0