ሰሜን ኮርያ፣ 70 ዓመታት ምልኪ ክትጽንብል’ያ

ሰሜን ኮርያ፣ 70 ዓመታት ምልኪ ክትጽንብል’ያ

Radio Erena : 09 October 2015

Nkor

ሰሜን ኮርያ፣ መበል 70 ዓመት ምምስራት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ንምጽንባል ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፣ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ናብታ ሃገር ክኣትዉ ፈቒዳ።

እታ ኣብ ዓለም ዕጽውቲ ሃገር እናተባህለት እትፍለጥ ሰሜን ኮርያ፣ ነዚ ዝሓለፈ 70 ዓመት ኣቦ፣ ወዱን ወዲ ወዱን ስልጣን እናተቐበሉ’ዮም ብምልኪ መሪሖማ።

እታ ሃገር ካብ ዓለም ተገሊላ 27 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝባ ድማ፣ ፕሮፖጋንዳ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ሰራሕተኛታት ኮርያ እንተዘይኮይኑ ናይ ወጻኢ ማዕከናት ዜና ክከታተል ኣይፍቐዶን።

 

ንቀዳም 10 ጥቅምቲ መበል 70 ዓመት ምምስራት ናይዚ ሰልፊ ንምጽንባል ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን ከኣ፣ ኣብ ታሪኽ ወትሃደራዊ ምርኢት ዝበዝሀ ሰራዊትን ኣጽዋርን ዝሳተፎ ሰልፊ ከተካይድ ምዃና ይግለጽ ኣሎ።

ህዝቢ ሰሜን ኮርያ፣ ካብ ጎረቤቱ ዝኾነ ህዝቢ ደቡብ ኮርያ፣ ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ብዝተመጽወተሉ ረዴኤት እናነበረ፣ መንግስቲ እታ ሃገር ግና ነቲ ብራሽን ብኩፖን ዝዕድሎ መግቢ፣ ባዕሉ ከምዘፍረዮን ዜጋታት ከምዚ ዓይነት ብሉጽ ናብራ ክነብሩ ሳሊ እቲ መንግስቲ ምዃኑን’ዩ ዝጉስጉስ።

ኣብ ዓለም እታ ዕጽውቲ ሃገር ሰሜን ኮርያ ክትከውን እንከላ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ድማ ምስ ሰሜን ኮርያ እትመሳሰልን ዓባይ ቤት ማእሰርቲ እናተባህለት እትግለጽን ኤርትራ’ያ።

ህዝቢ ኤርትራ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ብኩፖን ወርሓዊ መቑነን እናተሸረፈን ዝበዝሐ ዓዩዩ ጉልበቱ ብውትህድርና ተጸሚዱ ዝኸፈአ መነባብሮ እናሕለፈን፣ ኣብ ስልጣን ዘሎ ህግደፍ ግና “ተኣምራት ንሰርሕ ኣሎና፣ ሳላይ ኤርትራ ገነት ትቕየር ኣላ፣” እናበለ ብመንገዲ ማዕከናት ዜናታቱ፣ ፕሮፖጋንዳ ከምዝዝርግሕ መዓልታዊ እንከታተሎ’ዩ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0