ኢትዮጵያ ተኾሚሩ ዘሎ ናይ ወጻኢ ዕዳኣ ከምዘየተሓሳስባ ገሊጻ

ኢትዮጵያ ተኾሚሩ ዘሎ ናይ ወጻኢ ዕዳኣ ከምዘየተሓሳስባ ገሊጻ

Radio Erena: 12 October 2015

Bank of Eth

ኢትዮጵያ፣ ተኾሚሩ ዘሎ ናይ ወጻኢ ዕዳ ከምዘይተሓሳስባ ገሊጻ።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ – IMF፣ ናይ ወጻኢ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ኣተሓሳሳቢ ደረጃ በዚሑ ኣሎ ክብል ድሕሪ ዝዘርግሖ መግለጺ ሚኒስተር ልምዓት ዶክተር ኣብርሃም ተኸስተ፣ እቲ ዕዳ ኣብ ዝግብኦ ናይ ልምዓት መደባት ይበጽሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ እቲ ዕዳ ኣተሓሳሳቢ ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ትሕተ ቅርጺ፣ መጓዓዝያ፣ ጸዓት፣ ሕርሻን ካልእ ልምዓታዊ ንጥፈታትን እተካይዶም ዘላ ፕሮጀክታት ዝበዝሐ ክፋሉ ካብ ወጻኢ ብዝተረኽበ ልቃሕ ተካይዶ ምህላዋ ይፍለጥ።

 

ናይ ወጻኢ ዕዳ እታ ሃገር ን50 ሚእታዊት ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶታ ሸፊኑ ምህላዉ ኣተሓሳሳቢ ከምዝገብሮ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ቅነ ጸብጻቡ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እቲ ዕዳ 1.24 ትሪልዮን ብር ከምዝበጽሕ’ውን ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ካብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘቕረበቶ ትንታነ ገሊጻ’ያ።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0