ሕ.ኤ. ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ንመንግስቲ ሱዳን 100 ሚልዮን ኤውሮ ክሕግዝ’ዩ

ሕ.ኤ. ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ንመንግስቲ ሱዳን 100 ሚልዮን ኤውሮ ክሕግዝ’ዩ

Radio Erena: 19 February 2016

Gandour

ኮሚሽን ኤውሮጳ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኤርትራ ካብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ንመንግስቲ ሱዳን 100 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ነዚ ዘፍለጠ፣ ብዛዕባ እቲ ብመንገዲ ሱዳን ዝፍጸም ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ዝብለሉ ሜላታት ንምዳይ ኣብ ዝዓለመ ርክብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኢብራሂም ጋንዶርን ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኮሚሽን ኤውሮጳ ፈደሪካ ሞገሪኒን’ዩ።

 

ኣብቲ ኣብ ቤልጁም ከተማ ብራስለስ፣ ብሮቡዕ 17 ለካቲት ዝተኻየደ ርክብ ሰበ ስልጣን ሱዳንን ኮሚሽን ኤውሮጳን፣ ሱዳን ኣብ ሕዳር 2015 ኣብ ማልታ ኣብ ዝተኻየደ ኣህጉራዊ ዋዕላ ስደተኛታት ንዝተሓንጸጸ መደባት ንምትግባር ቅርብቲ ምህላዋ ኢብራሂም ጋንዶር ኣረጋጊጹ።

ኮሚሽን ኤውሮጳ ብወገኑ፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ንምባሉ ንሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ጀሚርዎ ዘሎ ሓገዛት ኣብ ክቕጽሎ ምዃኑ ጠቒሱ።

እቲ ኮሚሽን፣ ኣብ ኤውሮጳ ተራእዩ ንዘሎ ዕልቕልቕ ስደተኛታት ንምግታእ፣ ኤርትራ ንእትርከበን ሃገራት ኣፍሪቃ 1.2 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከበርክት ምዃኑ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ከም ኣካል ናይዚ’ውን ነታ ዜጋታታ ብመንገዲ ሱዳንን ሊብያን ኣቢሎም ብብዝሒ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራ 200 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ምብርካቱ ይዝከር።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0