መንግስቲ ኤርትራ፣  ንወኪል ባንክ ዓለም ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ፈቒዱ

መንግስቲ ኤርትራ፣ ንወኪል ባንክ ዓለም ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ፈቒዱ

Radio Erena: 18 February 2016

Louis

እቲ መንግስቲ ንወኪል ባንኪ ዓለም ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ክገብር ዝፈቅድ ዘሎ ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት’ዩ።

ብሰንኩ ከኣ ባንክ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ እኹል መጽናዕቲ ከካይድ ብዘይምኽኣሉ፣ ካብ መዝገባቱ ገሊሉዋ’ዩ ጸኒሑ።

በዚ መሰረት፣ ኣብ ባንክ ዓለም ፈጻሚ ዳይረክተር ኣፍሪቃ (ጉጅለ 1)፣ ልዊ ላሮስ ዝመርሖ ልኡኽ ባንክ ዓለም ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ንምክያድ ብ16 ለካቲት ኣስመራ ከምዝኣተወ እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል ኣፍሊጡ።

 

ልዊ ላሮስ ኤርትራ ናይ እትርከበን 22 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ባንክ ዓለም ዝወከል ፈጻሚ ዳይረክተር ኣብ ቦርድ ባንክ ዓለም’ዩ።

መንግስቲ ኤርትራ ምስቲ ባንክን ካልኦት ኣህጉራውያን ውድባትን ትካላትን ብዝጸንሖ ምስህሓብ፣ ወከልቲ እዘን ትካላት ናብ ኤርትራ ከይበጽሑ ንሓያሎ ዓመታት ከልኪሉ ምጽንሑ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ግና እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተነብረ እገዳ ንኽልዓል ጽዑቕ ዲፕሎማስያዊ ዘመተ ኣብ ምክያድ ስለዝርከብ ንሓያሎ ወከልቲ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ኣህጉራውያን ትካላትን ከምኡ’ውን ኣባላት ፓርላማ ዝተፈላለያ ሃገራትን ናብ ኤርትር ምብጻሕ ክፍጽሙ ፈቒዱ ኣሎ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ክልተ እዋን ብባይቶ ጸጥታ ዝተነብረሉ እገዳ ንኽልዓል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝርከቦም ሰበ ስልጣን መንግስቲ’ውን ብገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ንከይክሰሱ ምስ ሕቡራት ሃገራት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላትን ካልኦት ኣካልት ናይቲ ውድብን ስሩዕ ርክባት ይገብርን ወከልቲ እቲ ውድብ ከኣ ናብ ኤርትራ ይዕድምን ምህላዉ ይንገር።

ብሕቡራት ሃገራት ዝቖመት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ፣ እቲ ፕረዚደንትን ሰበ ስልጣናቱን ገነብ ኣንጻር ኣንጻር ሰብኣውነት ይፍጽሙ ምህላዎምን ዘይምህላዎም እተካይዶ ዘላ መጽንዕቲ፣ ጸብጻባ ኣብ ወርሒ ሰነ 2016 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ከተቕርብ’ያ።

=======================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0