ሕ.ኤ፣ ኣብ ዳህሳስ ትሕተ-ምድራዊ ውዑይ ማይ  ዝውዕል 8 ሚልዮን ኤውሮ ንመንግስቲ ኤርትራ ለጊሱ

ሕ.ኤ፣ ኣብ ዳህሳስ ትሕተ-ምድራዊ ውዑይ ማይ ዝውዕል 8 ሚልዮን ኤውሮ ንመንግስቲ ኤርትራ ለጊሱ

Radio Erena: 13 April 2016

EU Fund

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ኣብ ዳህሳስ ትሕተ-ምድራዊ ውዑይ ማይ ዝውዕል 8 ሚልዮን ኤውሮ ሓገዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣረኪቡ።

እቲ ድሮ መንግስቲ ኤርትራ ተቐቢልዎ ዘሎ 8 ሚልዮን ኤውሮ ገንዘብ ኣካል ናይቲ ኣብ ጸዓትን ካልእ መደባትን ክውዕል ተባሂሉ ብሕብረት ኤውሮጳ ዝተለገሰ ናይ ኣስታት 200 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ’ዩ።

ዳህሳስ ትሕተ-ምድራዊ ውዑይ ማይ፣ እሳተ ጎመራ ኣብ ዝረኣየሉ ከባቢታት ኤርትራ ካብ 1902 ኣትሒዙ ብኢጣልያውያን ዝተበጋገሰ ናይ ጸዓት ፕሮጀክት ኮይኑ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ዳግም ብምወላ ሕብረት ኤውሮጳ ፈተነታት ይካየደሉ ኣሎ።

 

ብመሰረት እቲ ተሰሊዑሉ ዘሎ ባጀት ከኣ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ውጽኢቱ ክፍለጥ ትጽቢት ይግበር።

እቲ ሕብረት፣ ኣብ ምምዕባል ፊናንስያዊ ምሕደራ ንኽውዕል ዝሰልዖ 20 ሚልዮን ኤውሮ ኣብዚ ቀረባ ንመንግስቲ ኤርትራ ከረክብ’ዩ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ዝትግበሩ ፕሮጀክታት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጸዓት ዘተኮረ ልምዓታዊ ሓገዝ ንመንግስቲ ኤርትራ ምሃቡ፣ ብኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጥን ሓያሎ ፖለቲከኛታት ኤውሮጳን ተቓውሞ ይገጥሞ ምህላዉ ይፍለጥ።

ይኹን’ምበር እቲ ሕብረት፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ይፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዘየገድስ፣ ንስትራቴጂያዊ ረብሓታት እቲ ሕብረት ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕርን ክሳብ ዘይተጻብአ፣ ነቲ ሓገዝ ደው ከምዘየብሎ ኣግሂድዎ ኣሎ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0