ወትሃደራውያን መራኽብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ተጸጊዐን ምህላወን ተሓቢሩ

ወትሃደራውያን መራኽብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ተጸጊዐን ምህላወን ተሓቢሩ

Radio Erena: 13 April 2016

Em

ክልተ ወትሃደራውያን መራኽብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዘን ኣብ ወደብ ዓሰብ ከምዘለዋ ወትሃደራውያን ምንጭታት ሓቢሮም።

እተን ብሓይሊ ባሕሪ ኢማራት ዓረብ ከምዝውነና ዝተገልጻ ባይኑናን ኣል ፉታይስን ዝተባህለ ክልተ ወትሃደራውያን መራኽብ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ዝቐነያሉ ምኽንያት፣ ኣብ ከባቢ ወደብ ሖደይዳ ናይ የመን ንዝርከብ ልፍንታዊ ሰራዊት ሃገራት ወሽመጥ ሎጂስቲካዊ ኣቑሑ ንምርጋፍ ንዝተላእከት ናይ ጽዕነት መርከብ ንምዕጃብ ምዃነን እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

ኣቐዲሙ’ውን ኣጽዋርን ሎጂስቲካዊ ኣቑሑን ዝጸዓና ወትሃደራውያን ነፈርቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ከምዝተራገፋ ዝሓበሩ እቶም ምንጭታት፣ ብሓይሊ ባሕሪ ኢማራት እናተዓጀበ ብመራኽብ ናብ ወደብ ሖደይዳ ናይ የመን ከምዝገዓዘ ገሊጾም።

 

ወደብ ሖደይዳ ናብ ኤርትራ እታ ዝቐረበ ናይ የመን ወደብ ኮይና፣ ብስዒዲን ሃገራት ወሽመጥን ዝድገፍ ሰራዊት መንግስቲ ካብቶም ብእምነት ሺዓ ዝምርሑ ተቓወምቲ ሑቲ ብምምንዛዕ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩዋ ይርከብ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝተበገሰ ወትሃደራዊ ምትእትታው ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ብምድጋፍ፣ ብመንገዲ ዓሰብ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታት የበርክት ምህላዉ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ’ውን ምስ ሮይተርስ ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ ነዚ ብምርግጋጽ፣ ኣምሳያ ናይቲ ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝህቡዋ ዘለዉ ናይ ወደብ ኣገልግሎት ዝኾነ ሓገዝ ከምዘይተገብረሎም ምጥቃሱ ኣይርሳዕን።

================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0