መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መበል 58 ኣብ ስሩዕ ዋዕላ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ንሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ተነቒፋ

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መበል 58 ኣብ ስሩዕ ዋዕላ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ንሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ተነቒፋ

Radio Erena: 12 April 2016

Banju

መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መበል 58 ኣብ ስሩዕ ዋዕላ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ንሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ተነቒፋ።

ኣብቲ ካብ 6 ክሳብ 20 ሚያዝያ ኣብ ጋምብያ ከተማ ባንጁል ዝጋባእ ዘሎ ዋዕላ፣ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምብራቕን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝኣመሰሉ ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ትካላት፣ ነቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ዝፍጽሞ ዘሎ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብትሪ ኮኒኖም።

እቶም ኣህጉራውያንን ዞባውያንን ትካላት ናብ ጉባኤ ‘ቲ ኮሚሽን ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓናት፣ መንግስቲ ኤርትራ ካብ 2001 ኣትሒዙ ብዘይፍርዲ ደሃዮም እጥፊእኡ ዘሎ ጋዜጠኛታትን ፖለቲከኛታትን ከም ኣብነት ብምጥቃስ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ነቲ መንግስቲ ዝገብርኡ ዘለዋ ሓገዛት ተቓዊሞም።

 

ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ሽወደን ብፍላይ፣ ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድርብ ዜግነት ዘለዎ ዜጋኣ ንኣስታት 15 ዓመታት ደሃዩ ጠፊኡ እናሃለወ፣ ብስም እቲ ሕብረት ነቲ መሰል ደቂ ሰብ ብምግሃስ ግኑን ስም ዘለዎ መንግስቲ 200 ሚልዮን ኤውሮ ክልገስ ዝኾነ ተቓውሞ ብዘይምርኣያ፣ ወኪል ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶባ ኣብ ሽወደን ኣብቲ ኣብ ጋምብያ ዝተኻየደ ዋዕላ ወቒሱ።

ኮሚሽን ኣፍሪቃ’ውን ነዚ ሕብረት ኤውሮጳ ዝፈጸሞ ጌጋታት ተመልኪቱ፣ መንግስቲ ኤርትራ ንዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዘተባብዕ ስጉምታት ከይወስድ ኣዘኻኺሩ።

ንሱ ኣቐዲሙ’ውን ናብ ፓርላማ ሽወደንን፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራትን ተመሳሳሊ ወቐሳ ከምዝልኣኸ ይፍለጥ።

ኣብቲ ባንጁል ዝካየድ ዓመታዊ ዋዕላ ኮሚሽን ኣፍሪቃ ንሰብኣዊ መሰላት ዝተሳተፈ ወኪል መንግስቲ ኤርትራ ኣቶ ሙሳ ናይብ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጸዓትን ካልእ ንዜጋታት ዘርብሕ ጽላታት ንዝግበረሉ ሓገዝ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ ይኹኑ ካልኦት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ምቕዋሞም ዘሕንኽ’ዩ ክብል ገሊጹ።

እቶም ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰብ ኢና ዝብሉ ትካላት፣ ንረብሓ ወዲ ሰብ ንዝውዕል ሓገዝ ምውቃሞም ምስቲ ዝቖምሉ ዕላማ ዝጻረር ‘ዩ ክብል’ውን ጠቒሱ።

እቲ ወኪል ብተወሳኺ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከም መሰል ሓሳብካ ብናጻ ምግላጽን ማሕበር ናይ ምቛምን መሰልን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ መሰላት ደቂ ሰብ ከምዘኽብር ኣብ ኤርትራ ኣብ ባይታ ዘየሎ ሓቕታት ከቕርብ ፈቲኑ።

ኣብ መወዳእታ፣ ካብ ኤርትራ ብብዝሒ ናብ ስደት ዝውሕዙ ዘለዉ መንእሰያት ናይ ቁጠባ ስደተኛታት’ዮም ብምባል ክብል ነቲ ብደረጃ ዓለም ዝተፈልጠ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ጠንቕታት ግዱድ ወትሃደራዊ ዕስክርናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ብምውጻእ ናብ ተራ ናይ ቁጠባ ስደት ንምጥምዛዙ ጽዒሩ።

=============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0