ሕ/ኤውሮጳ ንኢትዮጵያ 170 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ተማባጺዑ

Radio Erena: 08 December 2019

ሕብረት ኤውሮጳ ንኢትዮጵያ ናይ 170 ሚልዮን ዩሮ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ተማባጺዑ።

ሓዳስ ኣደወንበር እቲ ሕብረት ኡርሱላ ቮን ደር ለየን፣ ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ዘካየደትሉ፣ ምስ ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚኒስተርን’ታ ሃገር ርክብ ከምዘካየደት ማዕከናት ዜና ዓለም ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘመሓላለፎኦ ጸብጻብ ኣመልኪተን።

ቮን ደር ለየን ኣብ ርክባ፣ እቲ ፋይናንስያዊ ሓገዝ፣ 100 ሚልዮን ዩሮ ብቐጥታ ባጀት ንምዕባይ፣ 50 ሚልዮን ዩሮ ኣብ ጽላት ጥዕና፣ ከምኡ’ውን 10 ሚልዮን ዩሮ ኣብ ጽላት ትምህርቲ ክውዕል ሙዃኑ ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊጻ።

ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ስልጣን ዝጨበጠት እታ ኣደ ወንበር ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ሞሃመት እውን ርክብ ኣካዪዳ።

ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን፣ ብሓባር ናብ ምዕባለ ዘተኮረ ምትሕብባር ክገብራ ርሒብ ዕድላት ከምዘሎ ገሊጹ። ቮን ደር ለየን ብወገና፣ ንኣፍሪቃ ከም ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ጎረቤት ከምእትርእያ ድሕሪ ምግላጽ፣ ብፍላይ ስልጣን ድሕሪ ምሓዛ ናይ መጀመሪያ ጉዕዞኣ ናብ ኢትዮጵያ ምግባራ፣ ፖለቲካዊ መልእኽቲ ከምዘለዎ ሓቢራ።

ኣብ ዓመተ 2018 ጥራይ ኣብ መንጎ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ናይ ልዕሊ 265 ቢልዮን ዩሮ ምልውዋጥ ንግዲ ክካየድ እንከሎ፣ ብመልክዕ ሓገዝ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተለገሰ ከኣ ክሳብ 261 ቢልዮን ዩሮ ይበጽሕ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0