ፈረንሳ ንሊብያ ክትህቦ ዝመደበት ጀላቡ ሓለዋ ገምጋም ባሕሪ ሰሪዛ

Radio Erena: 08 December 2019

ፈረንሳ ንሰበስልጣን ሊብያ ክትህቦ መዲባ ዝነበረት ንሓለዋ ባሕሪ ዘገልግላ ጀላቡ፣ ከምዝሰረዘቶ ኣፍሊጣ።

ሸሞንተ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ብሓባር ኣብ ልዕሊ ፈረንሳ ክሲ ክምስርቱ ሙዃኖም ድሕሪ ዘቕረቡዎ ጸቕጢ እያ እታ ሃገር ነዚ ሓገዝ ደው ከምዘበለቶ ትገልጽ ዘላ።

እተን ትካላት ግብረሰናይ፣ ሰበስልጣን ሊብያ፣ ንስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ንሕዝዎም ስደተኛታት ሕሱም ጭካነን ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ኣብ ዝፍጸመሎም መዳጎኒ መዓስከራት ብምውሳድ የሳቕዩዎም ከምዘለዉ ድሕሪ ምጥቃስ፣ ፈረንሳ ነዚ ናይ ባሕሪያ ሓገዝ እንተገይራ፣ ኣብቲ ግፍዒ ብቐጥታ ተሳታፊት ትኸውን ኣላ ብምባል እየን ክሲ ክምስርታ ዝወሰና።

እንተኾነ ስሞም ንማዕከናት ዜና ክገልጹ ዘይደለዩ ሰበስልጣን ሚኒስትሪ ምክልኻል ፈረንሳ፣ እቲ ናይ ሓገዝ መደብ ደው ከምዝበለ ትማሊ 07 ታሕሳስ ንኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሮም።

እቶም ሰበስልጣን ፈረንሳ ኣብ ሓበሬታኦም፣ እቲ ሓገዝ ንመንግስቲ ሊብያ ናይ ባሕሪያ ኣገልግሎቱ ንምሕያል ዝተወጠነ ምንባሩ፣ እንተኾነ ግና ኣብታ ሃገር ዘሎ ዘይርጉእ ኩነታት ጥጡሕ ባይታ ከምዘይፈጠረሎም እዮም ገሊጾም።

ነዚ ብዝምልከት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ፈረንሳ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምግላጽ፣ ነታ ሃገር ኣዝዩ ዘጸይፍ ስም ካብ ምሃብ ከምዘድሓና ሓቢሩ።

ኣብ ሊብያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ከባቢ 40 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳጎኒ መዓስከራትን፣ ኣበየ ከተማታት ፋሕ ዝበሉን ከምዝርከቡ ጸብጻባት እታ ሃገር የመልክቱ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0