ሕ.ኣፍሪቃን ኤ.ሕብረትን ንትሕተ ቅርጺ ብዝምልከት ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ ኣካዪዶም

ሕ.ኣፍሪቃን ኤ.ሕብረትን ንትሕተ ቅርጺ ብዝምልከት ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ ኣካዪዶም

Radio Erena: 20 May 2018

au headquarterssሕብረት ኣፍሪቃን ኤውሮጳዊ ሕብረትን ንትሕተ ቅርጺ ብዝምልከት ናይ ክልተ መዓልታት ኣኼባ ኣካዪዶም።

ኣብቲ ብሓሙስ 17 ግንቦት ዝጀመረ ኣኼባ ወከልቲ ክልቲኡ ሕብረታት ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ እዩ ተኻዪዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ንምዕባለ ትሕተ ቅርጺ ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ጽላታት ጸዓት፣ መጎዓዝያ፣ ዝርጋሐ ማይን ኮምፕዩተር ተክኖሎጂን ብዝምልከት ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ወፍርታት ወጻኢ ዘሎ ተኽእሎ ዘትዮም።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ዳይረክተር ትሕተ ቅርጽን ጸዓትን ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ቀጻልነት ምዕባለ ንዝብታት ኣፍሪቃ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ ካብ ቀዳማይ እብረ እቲ ፕሮጀክት ምምዕባል ትሕተ ቅርጺ እኹል ተመክሮ ክቕሰም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ኣብቲ ንክልተ መዓልታት ዝጸንሐ ኣኼባ ናይ 2018=2020 ኣፍሪቃ-ኤውሮጳ ፕሮጀክት ምምዕባል ትሕተ ቅርጺ (ጸዓት፣ ዝርጋሐ ማይ፣ መጎዓዝያን ተክኖሎጂን) መርሓ ሕንጻጽ ተነቢሩ።

====================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0