ሕ/ ኢማራት ዓረብ፣ 1.2 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሚሳይላት ካብ ሩስያ ንምሽማት ትሰማማዕ

Radio Erena: 22 February 2017

UAE

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 1.2 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ሚሳይላት ካብ ሩስያ ንምሽማት ስምምዕ ከምዝኸተመት ተገሊጹ።

እታ ሃገር ነዚ ስምምዕ ትኽትም ዘላ፣ ኣብ ኣቡዳቢ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ኣህጉራዊ ምርኢትን ዋዕላን ኣጽዋርን ምክልካልን ብሰንበት 19 ለካቲት ኣብ ዝተኸፍተሉ ኣጋጣሚ’ዩ።

ኣፈኛ ናይቲ ምርኢትን ዋዕላን ብርጋደር ጀነራል መሓመድ ዓሊ ሻምሲ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ምስ 15ትካላት ውሽጢ ሃገርን ሽዱሽተ ናይ ወጻእን፣ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ ሓይሊ ምድርን ሓይሊ ባሕርን ዘተኮረ ስምምዓት ከምዝተኸተመ ኣረጋጊጹ።

ካብዚ እቲ ዝገዘፈ ክፋሉ ምስ ሩስያ ዝተኸተመ ናይ 1.2 ቢልዮን ዶላር ዝተገምተ ሸመተ ሚሳይላት ምዃኑ ወትሃደራውያን ምንጭታት ይጠቕሱ።

ኣብ ኤርትራን ሶማሊላንድን፣ ናብ የመን ዝቐንዐ ወትሃደራዊ መዓስከራት እተቕውም ዘላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምስ ኣመሪካን ፈረንሳን’ውን ቢልዮናት ዝግመት ኣጽዋርን ነፈርትን ንምሽማት ስምምዕ ከምዝኸተመት’ዩ ዝንገር።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0