ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ናይ 74 ስደተኛታት ሬሳ ተረኺቡ

Radio Erena: 22 February 2017

Libya Zawya

ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ፣ ናይ 74 ስደተኛታት ሬሳ ተረኺቡ።

እቲ ኣብ ምዕራባዊ ሊብያ ኣብ እትርከብ ከተማ ዛውያ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ተገፊዑ ዝተረኽበ ሬሳ፣ ናብ ኢጣልያ ንምስጋር ናይ ዝተበገሱ ስደተኛታት ምዃኑ’ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ዝተበሳስዐት ናይ ጎማ ጃልባ’ውን ስለዝተረኽበት፣ እቲ ሬሳ በታ ጃልባ ናይ ዝተበግሱ ስደተኛታት ክኸውን ከምዝኽእል፣ ነቲ ሬሳ ኣብ ምእካብ ዝተዋፈረ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ካብ ሊብያ ሓቢሩ።

መንነት ናይቶም ብሰሉስ 21 ለካቲት ዝተኣከበ 74 ሬሳ ዛጊት ኣይተነጸረን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0