ህዝቢ ባጽዕ ብፋሉላት ኣኽላባት ይሻቐል፣ ምምሕዳር ድማ “ኣብ መጽናዕቲ ኣሎና” ይምልስ

Radio Erena: 21 February 2017

Dogs in Massawa

ኣብ ከተማ ባጽዕ፣ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሰባት ጉዳኣት ዘውርዱ ዘለዉ ፋሉላት ኣኽላባት ኣዘራራቢ ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ንኣኽላባት መቕተሊ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ስሚ ብውድብ ጥዕና ዓለም ስለዝተወገዘ፣ ካልእ ኣማራጺ ንምንዳይ ኣብ መጽናዕቲ ከምዘለዉ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ኣቶ ኪዳነ ወልደስላሴ ገሊጹ።

እቲ ኣመሓዳሪ  ብሓሙስ 16 ለካቲት ምስ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃል መጠይቕ፣ ንጠንቂ ምብዛሕ ፋሉላት ኣኽላባት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፣-

“ብቑጽሪ እኳ ብዙሓት እንተዘይኮኑ፡ ኣብታ ከተማ ብዘሎ ካብ ትካላት ዝጓሓፍ ተረፍ-መረፍ መግቢ ዓሳ፡ ንዕኡ ክምእርሩ ኣብ ከባቢ ባጎኒታት ጐሓፍ ፋሉላት ኣኽላባት ከምዝራኣዩ ብምጥቃስ፣ እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ ከተማ ዝረአ ልሙድ ተርእዮ ስለዝኾነ፡ ብዙሕ ዘሰክፍ ኣይኮነን ኢሉ።

ዓመት-ዓመት ወፍሪ ምቕታል ፋሉላት ኣኽላባት ከምዝካየድ ዝሓበረ ኣቶ ኪዳነ፣ እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝጥቀመሉ ናይ ስሚ ኣገባብ ውድብ ጥዕና ዓለም ስለዝኾነኖ፡ እቲ መድሃኒት (ስሚ) ክርከብ ከምዘይተኻእለ ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፣ “ስለዚ ኣየናይ ኣገባብ ተጠቒምና ከም እንገትኦም ኣብ መጽናዕቲ ኣለና።” ክብል ኣቶ ኪዳነ ደምዲሙ።

ኣብ ከተማ ባጽዕ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ዘውርዱ ዘለዉ ፋሉላት ኣኽላባት ኣብ ነበርቲ ከተማ ባጽዕ፣ ብፍላይ ከባቢ እንዳሚካኤል ሻቕሎት ፈጢሩ ከምዘሎ ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣብ ናይ 17 ጥሪ ሕታማ ኣብ ዘስፈረቶ ሓበሬታ’ውን፣ ኣብ ከተማ ባጽዕ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብእንዳ ኮርያ ዝፍለጥን ከባቢ እንዳ ሚካኤልን ብርክት ዝበሉ ኣኽላባት ተዘሪኦም ከምዘለዉ ብምርግጋጽ፣ ብጉጅለን ብውልቅን ኣብ ፈቐድኡ እናዛወኑ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰባት ሓደጋ ከውርዱ’ውን ከምዝርኣዩ ጠቒሳ።

እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ፣ ብዕለት 22/12/2016 ንሓንቲ ኣደ ሽሞንተ ኣኽላባት ከቢቦም፣ ክልተ ካብኦም ክሰሃሉወን ከምዝፈተኑ ብምምልካት፣ ሓለፍቲ መንገዲ ነቶም ኣኽላባት ብምብራር ነተን ኣደ ናብ ሕክምና ከምዝወሰድወን ይገልጽ።

እቶም ሓለፍቲ መንገዲ ነተን ኣደ ናብ ሕክምና ኣብ ዘብጽሑሉ እዋን፣ ብተመሳሳሊ ብከልቢ ዝተነኽሱ ክልተ ሰባት ኣብቲ ሕክምና ከምዝጸንሕዎም ብምምልካት፣ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይዛ ዝሓለፈት ዓመት ጥራይ ሽዱሽተ ሰባት በኽላባት ከምዝተነኽሱ ኣነጺራ።

እቶም ፋሉላት ኣኽላባት፣ ገና ኣብ ሰባት ጉድኣት የውርዱ ከምዘለዉ ብምሕባር ህዝቢ ሻቕሎቱ እኳ ይገልጽ እንተሎ፣ ሽዱሽተ ሰባት ግዳያት ኣኽላባት ካብ ዝኾንሉ ወርሒ ታሕሳስ 2016 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ሰለስተ ወርሒ ዝኾነ ስጉምቲ ኣይተወስደን።

ብኣገላልጻ ኣማሓዳሪ ንኡስ ዞባ ባጽዕ ድማ እቲ ምኽንያት፣ ነቶም ፋሉላት ኣኽላባት ዘወግድሉ ኣገባብ ኣብ መጽናዕቲ ስለዘለዉ’ዩ።

 

ስእሊ፣ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0