ሕ/ኢማራት ዓረብ፣ ቁጠባ ሱዳን ንምብርባር 1.4 ቢልዮን ዶላር ኣብ ባንክ ‘ታ ሃገር ኣቐሚጣ

ሕ/ኢማራት ዓረብ፣ ቁጠባ ሱዳን ንምብርባር 1.4 ቢልዮን ዶላር ኣብ ባንክ ‘ታ ሃገር ኣቐሚጣ

Radio Erena: 19 March 2018

Bank of Khartoum

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ቁጠባ ሱዳን ንምብርባር 1.4 ቢልዮን ኣብ ማእከላይ ባንክ እታ ሃገር ከምዘቐመጠት ተሓቢሩ።

ሱዳን ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መንግስታት ድሕሪ ዝተበጽሐ ምርድዳእ፣ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ገንዘብ ናብ ካርቱም ከተሰጋግሮ ከምዝወሰነት ኣፍሊጡ።

ኣቐዲመን’ውን ስዑዲ ዓረብ፣ ቀጠርን ባሕሬይን ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቆለ ዝመጽእ ዘሎ ቁጠባ ሱዳን ንምብርባር ተመሳሳሊ ስጉምታት ከምዝወሰዳ ይዝከር።

ሱዳን፣ ምስ ምእዋጅ ናጽነት ደቡብ ሱዳን ኣብ 2011ካብ ነዳዲ ትርኽቦ ዝነበረት ኣታዊታት ድሕሪ ምስኣና፣ ብሰንኪ ዋሕዲ ናይ ወጻኢ ባጤራታት ቁጠባኣ ናብ ውድቀት የምርሕ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፣ መንግስቲ ሱዳን ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምቁጣብ ኣብ ነዳዲን መግብታትን ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ድሕሪ ምልዓሉ ምልዓሉ፣ ብዝተፈጥረ ናህሪ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት ተቓውሞ ኣለዓዒሉ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣውስትራልያ ኣብ ባንክ ሱዳን 11 ቢልዮን ዶላር ንምቅማጥ ከምዝሓተተት ሚኒስተር ማዕድን ሱዳን ሓሺም ዓሊ ሳሊም ሓቢሩ።

እቲ ሚኒስተር ብዝሃቦ መግለጺ መሰረት፣ ኩባንያታት ኣውስትርልያ ኣብ ዕደና ወርቂ ሱዳን ክሳተፋ እንተኽኢለን፣ መንግስቲ ኣውስትራልያ፣ ኣርባዕተ ቢልዮን ንዕደና 7 ቢልዮን ከኣ ትሕጃ ኣብ ሃገራዊ ባንክ ሱዳን ንምቕማጥ ድሉው ከምዘሎ ኣገንዚቡ።

ብመሰረት እቲ ናይቲ ሚኒስተር ሓበሬታ፣ሓሙሽተ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣውስትራልያ ኣብ ዕደና ወርቂ ሱዳን ንኽዋፈራ ተገዳስነት ኣሕዲረን ኣለዋ።

ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሱዳን ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣጽኒዓቶ ዝጽንሐት እገዳ ድሕሪ ምልዓላ፣ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዕደና እዛ ሃገር ንምውፋር ተበግሶታት ክወስዳ ጀሚረን ከምዘለዋ ይግለጽ።

ሓንቲ ካብተን ብብዝሒ ዕደና ወርቂ ኣብ ቅድሚት ዝስራዓ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኾነት ሱዳን

=================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0