ኣውስትራልያዊ ትካል ዕደና፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ይድግፍ

ኣውስትራልያዊ ትካል ዕደና፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ይድግፍ

Radio Erena: 18 March 2018

 danakil miningኣብ ኤርትራ ዝነጥፍ ኣውስትራልያዊ ትካል ዕደና፣ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘተየሉ እዋን፣ ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኤርትራ ደው ምባሉ፣ ንሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ከምዘቖጠዐ ተገሊጹ።

እቲ ትካል ዕደና፣ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኸይድ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ፈጺሙ ተባሂሉ ምስ መርትዖታቱ ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን፣ ኣታዊታቱ ንከኻዕብት ጥራይ ኣብ ጎድኒ’ቲ መንግስቲ ደው ምባሉ ንርእሱ ብገበን የሕትቶ’ዩ ክብሉ’ዮም እቶም ተጣበቕቲ መሰላት ዝኸሱ።

ኣቦ ወንበር’ቲ ኣውስትራልያዊ ትካል ሰያሙስ ኮርነሊየስ ኣብ ዕደናዊ ስርሓቱ፣ ብግዱድ ዕስክርና ዝካየድ ከምዘየለ ድሕሪ ምግላጽ፣ ንድሕነትን ጥጡሕ ናይ ስራሕ ሃዋሁን ብዝምልከት ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን ግና ዝኾነ መተኣማመኒ ክህብ ከምዘይክእል’ዩ ሓቢሩ።

እቲ ትካል ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብሽርክነት ስለዝሰርሕ፣ ካብ ግዱድ ዕስክርና መኽሰብ ይረክብ እንተሎ፣ ምስ ዓማጺ ኣተሓሕዛ ዘለዎ መንግስቲ ምስራሕ ዝህልዎ ሳዕቤንን ካልእን ከይተወከሰ ንጥፈታቱ የሰላስል ብምህላዉ ጥራይ ተሓባባሪ ገበን ይገብሮ ብምባል’ዮም እቶም ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት ዝኸሱ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ዝርከብ ካናዳዊ ትካል ዕደና፣ ኣብ ትሕቲኡ ብዝሰርሑ ዝነበሩ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ቤት ፍርዲ ብሪቲሽ ኮሎምቢያ ክሲ ቀሪቡሉ’ዩ።

================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0