ካሪታስ፣ ኣብ ኤርትራ ብደርቂ ንዝተጠቅዑ ቆልዑን ኣዴታትን ዝውዕል ልዕሊ 200 ሽሕ ዶላር ሓገዝ ኣበርኪቱ

ካሪታስ፣ ኣብ ኤርትራ ብደርቂ ንዝተጠቅዑ ቆልዑን ኣዴታትን ዝውዕል ልዕሊ 200 ሽሕ ዶላር ሓገዝ ኣበርኪቱ

Radio Erena: 19 March 2018

Caritas

ኣብ ስጳኛ ዝርከብ ጨንፈር ኣህጉራዊ ማሕበር ግብረ ሰናይ ካሪታስ፣ ኣብ ኤርትራ ንዘጋጥም ዘሎ ዋሕዲ ማኣዛዊ መግብታት ኣዴታትን ቆልዑን ዝውዕል 209 ሽሕ ዶላር ሓገዝ ኣበርኪቱ።

እቲ ኣብ ቫቲካን ብዝመደበራ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደር ትካል ግብረ ሰናይ፣ ነቲ ናብ ኤርትራ ሰሊዕዎ ዘሎ ገንዘብ ኣብ ክልተ ናይ መግቢ ፕሮጀክታት ክውዕል ምዃኑ ብ17 መጋቢት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ 150 ሽሕ ዶላር ተሰሊዕሉ ዘሎ ቀዳማይ ፕሮጀክት ብሓፈሻ ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ኤርትራውያን ዘተኮረ ክኸውን እንከሎ እቲ 59 ሽሕ ዶላር ከኣ ግዳያት ዋሕዲ ማኣዛዊ መግብታት ንዝኾኑ ቆልዑ ከተኩር’ዩ።

ሓፈሻዊ ዕላማ እቲ ፕሮጀክት ኣብ ኤርትራ ዝርአ ደርቂ ምምካት ምዃኑ ዝሓበረ እቲ ትካል፣ ኣብ ኤርትራ ተመሳሳሊ መደባት ምስ ዘለዎ ናይ ብሪጣንያ ጨንፈር ካሪታስን ኣብ ኤርትራ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ብምዃን ከሰላስሎ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

እቲ ካብ ጥቅምቲ 2017 ኣትሒዙ ተበጊሱ ዘሎ ፕሮጀክት ንሰለስተ ዓመታት ክጸንሕ ምዃኑ ዝሓበረ ካሪታስ፣ ኣብ ሽዱሽቲኡ ዞባታት ኤርትራ ን230 ሽሕ ሕዝቢ ከርብሕ ትጽቢት ጌሩ ኣሎ።

ኣብ ርሑቅ ከባቢታት ኤርትራ ብደርቅን ዋሕዲ ማኣዛዊ መግብታትን ዝተጠቕዑ ኣሽሓት ቆልዑን ኣዴታትን ከምዘለዉ ጸብጻብ ማዕከን ቆልዑ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0