ሕ.መ.ኣ. ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ፍሉይ ልኡኽ መዚዛ

Radio Erena: 25 April 2021

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ንምክትታል፣ ብሓፈሽኡ ከኣ ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሰርሕ ፍሉይ ልኡኽ መዚዛ።
ካብ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጸ መግለጺ ከምዘመልክቶ፣ ኣብ ዲፕሎማሲ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎ ጀፍሪ ፈልትማን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት፣ ጉዳይ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን፣ ከምኡ’ውን ንዲጋ ተሓድሶ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሰለስቲኤን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ክርእይ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ንምምዛዝ እዚ ሓድሽ በዓል ስልጣን ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ቅልጡፍ ምቅይያራት ስትራተጂ ዘድልዮ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምክትታልን፣ ሓደጋ ንምውጋድ እዋናዊ መፍትሒ ንምርካብን ክሕግዝ ተባሂሉ ብላዕለዋይ ደረጃ ዲፕሎማሲ ዝተታሕዘ ምዃኑ ዘርእይ እዩ’ ኢሉ።
ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ድሮ ነቲ ዞባ ሓደገኛ ኣንፈት ከምዝሕዝ ጌሩዎ ከምዘሎ ዝገልጹ ሰበስልጣን ኣመሪካ፣ ነቲ ብጉዳይ ኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል ብዝምልከት ዝጸንሐ ወጥሪ፣ ፍታሕ ክርከበሉ ጻዕርታት ከካዪዱ ምዃኖም ይገልጹ። እንተኾነ ኢትዮጵያ ምትእትታው ሳልሳይ ኣካል ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ እያ።
ብካልእ ወገን ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ክራማት በይናዊ ውሳኔ ብምውሳድ ንዲጋ ተሓድሶ ማይ ከተዕቅለሉ እንተጀሚራ፣ ሱዳን ወግዓዊ ክሲ ክትምስርት ምዃና ኣጠንቂቓ።
ሚኒስተር ሃብቲ ማይ ሱዳን ያሲር ዓባስ ብዓርቢ 23 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ኢትዮጵያ ምስ ግብጽን ሱዳንን ከይተሰማመዐት ነቲ ስጉምቲ እንተወሲዳቶ፣ ሱዳን ብወገና ሕጋዊ ግብረመልሲ ክትህበሉ እያ ኢሉ።

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0