ሕብረት ኣፍሪቃ ንምንዋሕ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ሶማል ተቓዊሙ

Radio Erena: 25 April 2021

ታሕተዋይ ባይቶ ሶማል፣ ዕድመ ስልጣን ፕረዚደንት ንክልተ ዓመት ክናዋሕ ምውሳኑ፣ ከምዘተሓሳሰቦ ሕብረት ኣፍሪቃ ገሊጹ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ነዚ ብዓይነቱ ፍሉይ ምዃኑ ዝተነግረሉ ናይ ኩነኔ መግለጺ ምሃቡ፣ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል ናይ ተቓውሞ፣ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ከኣ ናይ ደገፍ ድምጽታት መልሲ ተዋሂቡዎ ኣሎ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መግለጺኡ፣ እቲ ድሮ ተዳናጉዩ ዝጸንሐ ሓፈሻዊ ምርጫ ሶማል፣ ብክልተ ዓመት ምንውሑ፣ ነታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ፣ ንሰላምን ምርግጋእን’ቲ ዞባ ዝፈታተን እዩ ክብል ተቓውሞኡ ኣስሚዑ።
ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ዕድመ ስልጣኑ ምንውሑ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ዝርከብዎም ኣህጉራውያን ትካላትን መንግስታትን ተቓዊሞሞ እዮም።
ሚኒስተር ዜና ሶማል ዑስማን ዱበ ብዓርቢ 23 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ብኬንያን ጂቡቲን ዝተደረኸ እዩ ድሕሪ ምባል፣ እዘን ክልተ ሃገራት ፖለቲካዊ ቅልውላው ሶማል ንረብሐአን ከውዕሎኦ ይጽዕራ ኣለዋ ክብል ከሲሱ።
ንሱ ብተወሳኺ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሶማል ምትእትታው ክገብር፣ ኣንጻር ዝተመስረተሉ ዕላማ’ዩ፣ ክብል ነቒፉ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጂቡቲ ብወገኑ፣ ነቲ ብመንግስቲ ሶማል ዝወጸ ክሲ ድሕሪ ምንጻግ፣ እቲ ብባይቶ ሶማል ዝተወስደ ውሳኔ፣ ንሰላምን ምርግጋእን’ታ ሃገር ብቐጥታ ዝተናኾል እዩ፣ ኢሉ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ሰበስልጣን ሶማል ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ወጥሪ ንምዝርራብ ናብ ሞቓድሾ ልኡኽ ክሰድድ ትጽቢት ይግበረሉ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0