ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ፣ ጥራይ እግሩ ጎስጓስ ከካይድ ወሲኑ

Radio Erena: 10 November 2020

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኣሲሩ ዝተፈትሐ፣ ሕጹይ ተወዳዳሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኡጋንዳ፣ ፓትሪክ ኦቢ ኣምርያት፣ ዝጀመሮ ጎስጓስ ጥራይ እግሩ ከምዝቕጽሎ ኣፍሊጡ።

ንሱ፣ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ጥራይ እግሩ ክቕጽሎ ዝወሰነሎ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ብፖሊስ ኣብ ዝተእስረሉ እዋን ጫምኡ ድሕሪ ምጥፍአን’ዩ።

“ፖሊስ ክኣስሩኒ እንከለዉ፣ ጫማይ ጠፊኤን፣ ክሳብ ሕጂ ድማ ክረኽበን ኣይከኣልኩን” ዝበለ ፓትሪክ ኦቢ ኣምርያት፣ እተን ዝጠፍኣ ጫምኡ ንብረት ፖሊስ ክኾና ከምዝወሰነ ጠቒሱ።

ብዘይ ጫማ ጎስጓስ ምክያድ፣ ፖሊስ ንዝፈጽምዎ ጎነጻዊ ኣተሓሕዛ መዘከርታ’ዩ ክብል’ውን ደምዲሙ።

ኣብ ኡጋንዳ፣ ኣብ ለካቲት 2021ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ነቲ ን34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ዩዌሩ ሙሴቬኒ ክብድሁ ይኽእሉ’ዮም ዝተባህሉ ክልተ ሕጹያት ተወዳደርቲ፣ ዝሓለፈ ቅንያት ከምዝተኣስሩ ተሓቢሩ ኔሩ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0